ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

Radio Erena: 31 July 2021

ሓይልታት ጸጥታ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣልማማ ማእሰርቲ ኣካዪዶም።
እቶም ኣስታት 19 ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ምኽኒያት መእሰሪኦም ብላዕለዎት ሓለፍቲ ብንጹር እኳ እንተዘይተነግሮም፣ ሓደ ውልቀሰብ ሞባይል ቴሌፎን ተሰሪቐ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ምዃኑ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊጾም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ፣ ስርዓተ ኣልቦነት እንዳስፋፈሐ ይኸይድ ከምዘሎ ዝገልጹ ምንጭታት፣ ኣባላት ፖሊስ ከይተረፈ ብላዕ ንምርካብ፣ ሰባት ብዘይገበሩዎ እንዳጠቀኑ ይኣስሩ ኣለዉ ኢሎም።
ምስ ክብሪ መነባብሮ፣ መንግስቲ ብዝህቦም ወርሓዊ ደሞዝ ክናበሩ ከምዘይከኣሉ ብጋህዲ ዝገልጹ ዘለዉ ሓይልታት ጸጥታ፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ፍሉይ ኣተኩሮ ክገብሩ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣቐድም ኣቢሎም ተቐዪዶም ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ገለ 5 ሽሕ ብር ካልኦት ከኣ ክሳብ 12 ሽሕ ብር ክፈሉ ተባሂሎም ከምዝተፈትሑ ይግለጽ።
ሓያሎ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት፣ በብጉጅለ ተጠርኒፎም ኣብ ክትራንን ዝምታን ተዋፊሮም ምህላዎም ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ። ንተወላዶ ትግራይ ዘነጸረ መጥቃዕታት ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ኣብ ዝገልጻሉ ዘለዋ እዋን፣ ብስም ተዛራቢ ትግርኛ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ይወርድ ከምዘሎ ምንጭታት ይገልጹ።
እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ንወኪል ሕቡራት ሃገራት ኮነ ኣራ ጥርዓኖም እኳ እንተቕረቡ፣ ዝረኸቡዎ መልሲ ከምዘየለ ሓቢሮም። ንሳቶም ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም ኣቓልቦ ክገብረሎም ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0