ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ሃለዋት ዳዊት ይስሃቕን ኤርሚያስ ተኪኤን ይሓቱ

Radio Erena: 15 December 2019

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ደሃዩ ጠፊኡ ዘሎ ኤርሚያስ ተኪኤ ብዝምልከት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ኣብቲ ብዕለት 12 ታሕሳስ ኣብ ኣፍደገ ባይቶ ሽወደን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ብምዃኑ፣ መንግስቲ ሽወደን ደሃይ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኤርሚያስ ተኪኤ ክሓትት መጸዋዕታ ንምቕራብ ምዃኑ፣ ልኡኽ ሬድዮ ኤረና ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ፣ ዝበዝሑ ወከልቲ ሰልፍታት ሽወደን ዝተረኽቡሉ፣ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፣ መንግስቲ ሽወደን ደሃይ’ቶም በብእዋኑ ዝስወሩ ዘለዉ ዜጋታቱ ንምፍላጥ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸዊዖም።

ኣብቲ ብረቡዕ 11 ታሕሳስ ዳርጋ ኩሎም ወከልቲ ሰልፍታት ሽወደን፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ዝተረኽቡሉ እዋን፣ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክፍታሕ መንግስቶም ግብራዊ ጻዕሪ ክገብር ጸዊዖም።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኽበት ጓሉ ንዳዊት ኢሳቕ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ወላዲኣ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተኣሲሩ ምህላዉ ገሊጻ።

ብመሰረት ገለ ማዕከናት ዜና ሽወደን፣ መራሕቲ ሽወደንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተራኸቡሉ፣ ንጉዳይ ኤርሚያስ ተኪኤን ዳዊት ይሓቕን ኣልዒሎም ከምዝተዘራረቡን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ፍታሕ ከናድይ ካብ ሽወደናዊ መዘንኡ ጻውዒት ከምዘቕረበሉን ምጥቃሰን፣ ልኡኽ ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0