“ኣብ ማይዓኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝነብሩ ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን፣ ብዘይ ናይ መግብን ማይን ረዲኤት፣ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕን ሰለስተ ሰሙንን ጌሮም።”

Radio Erena: 21 September 2021

ኣብ መዓስከራት ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን በደልን ደው ክብል ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

እቲ ብሰኑይ 20 መስከረም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዎ ብምትሕስሳብ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ፍታሕ ከናድየሎም ጸዊዑ።

ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ’ቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝኾኑ፣ መርጌታ ሰለሙን፣ ንራድዮ ኤረና ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ እዞም ኣብዘን ክልተ መዓስከራት ዝርከቡ ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን፣ መሰረታዊ ቀረባት ማይን መግብን ከምኡ ድማ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና ከይረኸቡ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕን ሰለስተ ሰሙንን ጌሮም ምህላዎም ኣተሓሳሲቦም።

እዞም ኣብ ኵናት ተቐርቒሮም ዘለው ኤርትራውያን፣ ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዞም ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እጃሙ ከበርክት ንምሕታት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ወገናቶም፣ ሰለማዊ ሰልፊ ብምውዳብ፣ ድምጾም ከምዘስምዑ መርጌታ ሰለሙን ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

 

===============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0