ኣባላት ባይቶ ፈረንሳ፣ ኣንጻር ስደተኛታት ዝዓለመ እማመ ኢሚግሬሽን ኣብ ክትዕ ከይቀረበ ነጺጎሞ

Radio Erena: Wednesday, 13 December 2023

ኣባላት ባይቶ ተቓወምቲ ፈረንሳ ትማሊ ሰኑይ ንሓደ እማመ ኢሚግሬሽን ኣብ ክትዕ ከይቀረበ ነጺጎሞ።

ኣባላት ኩሎም ተቓወምቲ ጉጅለታት ብጸጋምን ብየማንን ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ክትዕ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ እቲ ስጉምቲ ይንጸግ ዝብል እማመ ኣድሚጾም።

እቲ እማመ ብ270 ድምጺ ኣንጻር 265 ድምጺ ተቐባልነት ረኺቡ።

በቲ ዝሓለፈ ውሳኔ መንግስቲ እታ ሃገር ነቶም ዘይሕጋውያን ዝበሎም ስደተኛታት ንምስጋግ ዘኽእሎ ሕጊ ንኽጸድቕ ጻዕርታት ክቕጽል ድዩ ወይስ ክስሕቦ ገና ኣይተፈልጠን።

ንኣዋርሕ ነቲ እማመ ንኽጸድቕ ጻዕርታት ከካይድ ዝጸንሐ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀራልድ ዳርማኒን፣ ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን TF1 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጻዕርታቱ ክቕጽል ምኻኑ ገሊጹ።

ኣባላት ባይቶ ፈረንሳ ነቲ ንመሰል ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንምድራት ዘኽእል ብመንግስቲ ዝቐረበ ሕጊ ኢሚግሬሽን ክምርምሩ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ዝረቐቐ ሕጊ ካብ 6 ሕዳር 2023 ጀሚሩ ኣብ ሰኔት ናብ ክትዕ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ትማሊ ሰኑይ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ተሰጋጊሩ ብዘይ ክትዕ ተነጺጉ’ሎ።

መንግስቲ ፈለማ ነቲ እማመ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት እዚ ከቕርቦ ኸሎ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ባይቶ ደገፍ ስለዘይነበሮ ተወንዚፉ እዩ ጸኒሑ።

ገለ ካብቲ ኣብቲ እማመ ሰፊሩ ዘሎ ሕግታት፣ ካብ ፈረንሳ ክወጹ ዝተኣዘዙ ወጻእተኛታት ዜጋታት ብሓይሊ ክወጹ፣ ንሓተቲ ዑቕባ ናይ ይግባይ መሰሎም ምኽልካል፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝግበር ገደብ፣ እዚ ማለት ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ሕቶ ዕቕብኡ ከይተመለሰ ኣብ መስርሕ እንከሎ ዝዋሃብ ሓገዛት ደው ክብል ወዘተ ይርከቦ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ዝቐረበ እማመ ንመሰል ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ሓደገኛ እዩ ክብሉ ነቒፎሞ ኣለዉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0