ኣሜሪካ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ይወጽእ ምህላዉ ኣፍልጦ ሂባ

Radio Erena: 16 February 2023

ኣሜሪካ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወጽእ ምህላዉ ከም እትፈልጥ፡ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፐራይስ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ ብሰኑይ 13 ለካቲት ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ።

ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንግስትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ወኪል፡ ኣሜሪካ ርግእቲ ኢትዮጵያ ንኽትህሉ ከም እትሰርሕን፡ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝነበረ ግጭት ንኽዓርፍ ምስ ከም ኢጋድን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝኣመሰሉ መሻርኽቲ ብርቱዕ ጻዕሪ ምግባራን ኣስሚርሉ።

ብምቕጻል ነድ ፕራይስ፡ ኩሎም ተጻረርቲ ሓይልታት ንትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ይሰርሑ ምህላዎምን ድሓን ውጽኢት ይርከበሉ ከም ዘሎን፡ ሰራዊት ኤርትራ እውን እንተኾነ ንኢትዮጵያ ለቒቑ ይወጽእ ከም ዘሎ ኣሜሪካ ከም እትፈልጥ ሓቢሩ።

ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ዝነበራ ኤርትራ፡ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእን፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዳ ክትስሕብን ብኣሜሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ከበድቲ ምሕጽንታን ጸቕጥታትን ክቐርበላ ምጽንሑ ይዝከር።

===========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0