ኣብ ክልል ትግራይ፣ መስርሕ ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ከም ዝተጀመረ ተሓቢሩ

Radio Erena: 16 February 2023

ብመሰረት ኣብ ፒሪቶርያ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ኣብ ክልል ትግራይ ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ከም ዝተጀመረ ተሓቢሩ።

ብረቡዕ 15 ለካቲት ኣባል ኣሳናዳኢት ኮሚቴ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበረቶ ፈላሚ ርክብ፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ መንግስቲ ናይ ምቛም መስርሕ ከም ዝተጀመረ ገሊጻ።

ኣባል እታ ኮሚቴ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያን ንዕኡ ስዒቡ ዝነበረ ኣብ ናይሮቢ ቀዳማይን ካልኣይን ኢሉ ዝጠቐሶ ስምምዓት፡ትግባረ እቲ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምግምጋም ኣብ ክልል ትግራይ ግዝያዊ መንግስቲ ዝትከለሉ ግዜ ከም ዝኣኸለ ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ‘ወላ’ኳ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ኣይውጻእ፡ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝተፈጸመ ስምምዕ ንድሕሪት ክምለሰሉ ኣብ ዘይክእልን ርግጸኛ ክንኮነሉ ብእንኽእልን ደረጃ ይፍጸም ብምህላዉ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ናይ ምቛም መድረኽ በጺሕና’ ብምባል፡ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ ክልቲኦም ወገናት ማለት ትግራይን ፈደራልን ብዝተዋጽኡ ኣካላት ከም ዝቐውም፡ንተልእኹኡ፣ ኣወዳድብኡን ኣሳታፍነቱን ብዝምልከት፡ ኣብ ዝቕጽል ቀረባ መዓልታት ምስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ዝርርብ ክግበር ምዃኑ ኣስሚርሉ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0