ኣመሪካ፣ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ከምዝተዋፈራ ወቒሳ

Radio Erena: 29 June 2020

ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ድቂሰብ ከምዝተዋፈራ ምምሕዳር ትራም ወቒሱ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ብ25 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝምውላ ሃገራት ኢሉ ዝጠቐሰን፣- ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኣፍጋኒስታን፣ ቻይና፣ ኢራን፣ ሰሜን ኮርያ፣ ሶርያ፣ ሩስያ፣ ቱርኪመንስታንን ቬኔዙዌላን’የን።

ጸሓፉ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፐዮ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ተተሓሒዙ፣ ገሊኤን ሃገራት ንደቂሰብ ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ከምዘዋፍራ ጠቒሱ።

ኣመሪካ፣ ዜጋታቶም ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕሰም ምስ ዘቃልዑ መንግስታት ይኹኑ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ምስ ዝውምሉን ዝተሓባበሩን መንግስታት ከምዘይትድግፍ ኣነጺሩ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝዋስኡ መንግስታት ብምባል ንኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ደኣ ይጥቀስ እምበር፣ ሓያሎ ካልኦት መንግስታት’ውን በዚ ገበን እዚ ይውቐሱ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ብወግዒ ዝፍጽሞ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርናን ከቢድ ናይ ጉልበት ምዝመዛን፣ ኣባላት ጸጥታን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ነዚ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፣ ብውድብ መልክዕ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ከምዝተዋፈሩ ብምረትዖታት ዝተሰነየን ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦን ሓቂ’ዩ።

==============