ማላዊ፣ ኮረና ቫይረስ ከይዓገታ ኣብ ዘካየደቶ ምርጫ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ደይቡ

Radio Erena: 30 June 2020

ኢትዮጵያ እትርከበን ሃገራት፣ ብጉልባብ ኮረና ቫይረስ ምርጫ ናይ ምስራዝ ስጉምታት ክወስዳ እንከለዋ፣ ከም ማሊን ብሩንዲን ዝኣመሰላ ግና ብኣንጻሩ ስሩዕ ምርጫታታት ከተኣናግዳ ክኢለን።

ማላዊ ብወገና ኣብ ዘካየደቶ ሃገራዊ ምርጫ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ሓድሽ መራሒ ናብ ስልጣን ክድይብ ክኢሉ ኣሎ።

ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ኣብ ዝሓበሮ ውጽኢት ድምጺ ህዝቢ፣ ላዛሩስ ቻክዌራ 58.5% ብምርካብ ድሕሪ ምዕዋቱ፣ ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ፣ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ንማላዊ ካብ 2014 ኣትሒዙ ክመርሓ ዝጸንሐ ወዲ 79 ዓመት ኣርቱር ፒተር ሙታሪካ፣ ስዕረቱ ብምቕባል፣ ኣብ ምርጫ ተዓዊቱ ናብ ስልጣን ንዝመጸ ላዛሩስ ቻክዌራ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ሰዲድሉ።

ፕረዚደንት ነበር ሙታሪካ ዝተዕወተሉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ርትዓዊ ኣይነበረን ብዝብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድሕሪ ምስራዙ’ዩ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዳግማይ ተኻይዱ።

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃ እትርከብ ማላዊ፣ ከቢድ ቁጠባዊ ብድሆታት ዘለዋ ሃገር ኮይና፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ካብ ዝዕወታ ዘለዋ ሃገራት እዛ ኣህጉር ምዃና’ያ ትጥቀስ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0