ኣመሪካ፣ ናብ ሰሜን ኮርያ በጺሖም ዝተመልሱ በጻሕቲ ሃገር፣ ብዘይ ቪዛ ከይኣትዉ ዝኽልክል ሕጊ ጸዲቑ

Radio Erena: 08 August 2019

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ካብ መጋቢት 2011 ኣትሒዞም ናብ ሰሜን ኮርያ በጺሖም ዝተመልሱ በጻሕቲ ሃገር፣ ናብ ኣመሪካ ብዘይ ቪዛ ከይኣትዉ ዝኽልክል ሕጊ ኣጽዲቑ።

ኣመሪካ፣ ንዜጋታት መብዛሕተን ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ፣ ኮርያን ጃፓንን፣ ብዘይቪዛ ክኣትዉ ዝፈቅድ ሕጊ እኳ እንተለዋ፣ ናብ ሰሜን ኮርያ ንዝበጽሑ ግና፣ ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምብጋሶም ኣብ ኤምባሲታታ ቪዛ ክሓቱ’ያ ትጠልብ።

እታ ሃገር ኣቐዲማ’ውን ናብ ሱዳን፣ ሶማል፣ የመን፣ ሊብያ፣ ሶርያን ኢራንን ንዝበጽሑ ዜጋታት ናይተን ቪዛ ዘየድልየን ሃገራት፣ ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምብጋሶም፣ ቪዛ ክሓቱ ዘገድድ ሕጊ ምውጽኣ ይፍለጥ።

ኣመሪካ ምስ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ኣብ ምስሓሕብ ከም እትርከብ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0