ኣመሪካ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝወቐሰተን ኤርትራ እትርከበን 9 ሃገራት፣ ሓገዝ ከምዘይትገብረለን ኣፍሊጣ

Radio Erena: 02 October 2020

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኤርትራ እትርከበን ትሽዓተ ሃገራት፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝተዋፈራ ምዃነን ወቒሱ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ኣብቲ ብ1 ጥቅምቲ፣ ናብ ጸሓፉ ጉዳያት ወጻኢ፣ ማይክ ፕምፖዮ ዝሰዶዶ መዝክር፣ እዘን ትሽዓተ ሃገራት፣ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ እወታዊ ምትሕብባር ክሳብ ዘርእያ፣ ካብ ኣመሪካ  ሓገዝ ክብርከተለን ከምዘይብሉ ኣስሚርሉ።

እቲ ናይ ሓገዝ እገዳ፣ ካብ ሓሙስ 1 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ ፊስካላዊ ዓመተ 2021 ዝጸንሕ’ዩ።

እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ነቲ ኣመሪካ፣ ንለበዳ ኮረና ቫይረስን ኢቦላን ብፍሉይ እትልግሶ ኣየጠቓልልን’ዩ።

ምምሕራት ትራምፕ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝወቐሰን ትሽዓተ ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ብሩንዲ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ቻይና፣ ኢራን፣ ኩባ፣ ኒኳራጓ፣ ሩስያን ሶርያን’የን።

ሚኒስተር ዜና፣ ኣቶ የማነ ገብረ መስቀል፣ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣ ኣመሪካ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ግጉይ ሰነደ ተኸቲላ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ሓቒ ኤርትራ ግዳያ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ምዃና ገሊጹ።

ምምሕዳር ኣቐዲሙ፣ “ኤርትራ ካብ ኣመሪካ ንዝስጎጉ ዜጋታታት ክትቕበል ፍቓደኛ ኣይኮነትን” ብዝብል ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ቪዛ እገዳ ኣጽኒዑ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርይቭስ ኢንተርነት

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Fiori luol 4 years ago

    Ane bewgney kubul aykonen yebil meknatu Eritrawan zesdedom zelu husun barnet mekanu keflet alewa kem tom kalot hagerat sela zeykona. Eti kedamay hagez kegbrlu zegba hzbi keman nusu ey bhalet ey.

  • comment-avatar
    Fiori 4 years ago

    Nehna hagez zedlna hzbi ena