ኣልሸባብ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ምህናጽ ጽርግያ ተዋፊሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኩባንያ ቱርኪ መጥቃዕቲ ኣካይዱ

Radio Erena: 04 January 2021

ኣልሸባብ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ምህናጽ ጽርግያ ተዋፊሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኩባንያ ቱርኪ፣ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ተሓቢሩ።

በቲ ብ2 ጥሪ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ክልተ ቱርካውያን ዝርከብዎም ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከሉ፣ 14 ድማ ከምዝቖሰሉ ሰበ ስልጣን ሶማል ኣፍሊጦም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ብወገኑ፣ እቲ መጥቃዕቲ፣ ዝህነጽ ኣብ ዘሎ መስመር ጽርግያ ሞቛድሾ-ኣፍጎየ ከምዘጋጠመ ብምርግጋጽ፣ ኣርባዕተ ዜጋታቱ’ውን ቆሲሎም ምህላዎም ኣፍሊጡ።

መስመር ጽርግያ ሞቛድሾ-ኣፍጎየ ብምወላ ቀጠር፣ ብኩባንያ ዝህነጽ ዘሎ ንሕውየት ሶማል ዘንቀደ ናይ ልምዓት ፕሮጀክት’ዩ።

==============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0