Radio Erena: Tuesday 16, Juanury 2024
ኢጋድን ማሕበር ሃገራት ዓረብን፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ንኢትዬጵያን ሶማልን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባታት ክካየድ ጸዊዖም።
እዋናዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብ ዘካየዶ ናይ ቴሌፎን ምምኽኻር፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓድሽ ረጽሚ ክሸምም ከምዝኽእል ዝትንተን ዘሎ ስምምዕ ባሕሪ ኢትዬጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ከካይዱ ከምዝተረዳድኡ ተፈሊጡ።
እቲ ህጹጽ ኣኼባ፣ ንሓሙስ 18 ጥሪ፣ ኣብ ኡጋንዳ ክካየድ‘ውን ወሲኖም።
ኣብዚ ህጹጽ ኣኼባ ኢጋድ፣ ብምሉአን፣ ኤርትራ እትርከበን ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ክሳተፋ ብዛዕባ ምዃነን ግና ዛጊት ኣይተነጸረን።
ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣብቲ ንሓንቲ ካብ ኣባላቱ ዝኾነት ሶማል፣ ብቀጥታ ዝጸሉ ስምምዕ ባሕሪ ኢትዬጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን፣ ንረቡዕ 17 ጥሪ ህጹጽ ኣኼባ ክካየድ‘ዩ ጠሊቡ።
ኣብቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ ሚኒስተራት ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ዛጊት 12 ሃገራት ከምዝሳተፋ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ 22 ሃገራት ዝሓቖፈ‘ዩ።
=========================
COMMENTS