ኢትዮጵያ: ጥንታዊት ከተማ ላሊበላ ኣብ ሓደጋ ዕንወት

Radio Erena: Monday, 13 November 2023

ላሊበላ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተደኩና እትርከም ጥንታዊት ከተማ እያ:: ኣብታ ከተማ ካብ ከውሒ ተጸሪበን ዝወጻ ኣብ መበል 12ን 13ን ክፍለዘመን ዝተሰርሓ ጥንታውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ኣለዋ::

እዘን ዓመታዊ ዓሰርተታት ኣሽሓት መእመናን ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝነግድወን 11 ቤተክርስትያናት ከም ቅዱሳት ቦታታት ክሕሰባ እንከለዋ መስሕብ ወጻእተኛታት በጻሕቲ እየን’ውን::

ካብዘን ቤተክርስትያናት ብመልኽዕ መስቀል ዝተጸርበት ቤተክርስትያን ቤት ገርጊስ: ቤት መድሃኒኣለም: ቤት ማርያም: ቤት መስቀልን ካልእን ዝብሉ ዝርከብወን ጥንታውያን እየን::

እዘን ኣብያተ-ክርስትያናት ካብ 1978 ኣትሒዘን ኣብ መዝገብ ዓለምለኻዊ ውርሻ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ: ስነ-ፍልጠትን ባህልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNESCO) ክምዝገባ እንከለዋ ወግዓዊ ኣፍልጦ ተዋሂብወን ንምዕቃበን ክስራሕ ጸኒሑ::

ኣቐዲሙ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ከተማ ላሊበላ ደጋጊማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሰራዊት ፈደራልን ኣትያ ብምንባራ እተን ጥንታውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብ ሓደጋ ኣትየን ኔረን::

ሕጂ ድማ ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ምልሻ ፋኖን ሰራዊት ፈደራልን ትመላለስ ብምህላዋ ዩኔስኮ ኣብተን ጥንታውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ጉድኣት ከይወርድ ስግኣት ፈጢርሉ ይርከብ::

ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓያሎ ግቡእ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዘይወሰዱ ዕጡቓት ምልሻ ብምህላዎም እሞ ድማ ከቢድ ብረት ዓጢቖም ብምህላዎም ብሸሉልትነት ወይ’ውን ብጌጋ ጥንታውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ከዕንዉ ከምዝኽእሉ ኣብ ፍርሂ ይርከብ::

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0