Radio Erena: 09 March 2023
እዚ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝቑጽሮም ወተሃደራት ዝሓቖፈ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰኑይ 6 መጋቢት ናብ ሶማል ከምዝኣተወ፣ ወተሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።
ምስ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጠርነፈ ከባቢ 4,500 ሰራዊት ድሮ ኣዋፊራ ዘላ ኢትዮጵያ፣ እዚ ሓድሽ ወፍሪ ዘካይድ ዘሎ ሰራዊታ፣ ምስቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክጥርነፍ ንምዃኑ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ዝበዝሑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ምዕራብን ጁባላንድን እዮም ዓስኪሮም ዘለዉ።
ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ኬንያን ብምርኻብ፣ ኣብዚ ሓድሽ ዘካዪዶ ዘሎ ወፍሪ ምድምሳስ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ከምዘድልዩዎ ሓቲቱ እዩ።
ኣብ ሶማል ምስ ሰራዊት’ታ ሃገር ተሰሊፉ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ኬንያ፣ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ብሩንዲን ዩጋንዳን ዝተዋጸአ ኮይኑ፣ ቁጽሩ ክሳብ 22 ሽሕ ይበጽሕ።
ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ወጺኡሉ ንዝነበረ ከባቢታት ይምለስ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ሶማል፣ ‘ቀዳማይ ወፍሪ ንዛዝም ኣለና፣ ናብ ካልኣይ ወፍሪ ዘእትወና ቅድመ ምድላዋት ኢና ነካዪድ ዘለና’ ክብሉ፣ ቦታታት ዝገድፉ ዘለዉ ምኽንያት ንዝሓየለ መጥቃዕቲ ንምድላው እዩ ኢሎም።
======================
COMMENTS