ባይቶ ጸጥታ ጉጅለ ክኢላታት ማዕቀብ ሱዳን ዕምሩ ከናውሕ ወሲኑ

Radio Erena: 10 March 2023

 

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ 9 መጋቢት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ንእገዳ ሱዳን ንዝከታተል ኮሚቴ ዝሕግዙ ክኢላታት ዝሓዘት ጉጅለ ዕምራ ንሓደ ዓመት፡ ክሳብ 12 መጋቢት 2024 ክናዋሕ ወሲኑ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ብሰንኪ ዞባ ዳርፉር ዝተነብረሉ ናይ ኣጽዋር እገዳ ንምልዓል፡ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን መሻርኽቲ ኣሰሊፉ ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን እዩ፡ እቲ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ክምርምር ዝቖመ ጉጅለ ዕድሚኡ ብሓደ ዓመት ክናዋሕ ተወሲኑ ዘሎ።

ባይቶ ጸጥታ ነቲ ድምጺ ብምሃብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ኣብ ሱዳን ከጋጥም ዝኽእል ምምሕያሻት ብምርኣይ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ከም ዝኽእል ኣይሓብአን።

ሱዳን ብሰንኪ ኣብ ዘመነ ስልጣን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝተኸተለቶ ናይ ህልቂት ፖሊሲን፡ ድሒሩ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ምምጽኡን ግዳይ ብዙሕ እገዳታት ኮይና፡ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ከም እትርከብ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0