ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ግጭታት ይቕጽል

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ግጭታት ይቕጽል

Radio Erena: 20 November 2018

ethi_ethnic clashኣብ ኢትዮጵያ ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ግጭታት፣ ሕጂ’ውን ይቕጽል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

በዚ መሰረት፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ኣብ ሲዳማ፣ ኣሶሳ፣ ጉራጌ፣ ሞያለ፣ መተማን ካልእን ከባቢታትን ብዝተራእዩ ግጭታት 10ታት ሰባት ተቐቲሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ምህዳን ኣተኩርሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ግጭት እናበኣሰ ይመጽእ ብምህላዉ፣ እቲ መንግስቲ ናብ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ከድህብ ዝተፈልላለዩ ፖለቲከኛታት ርእይቶም ይህቡ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኢትዮጵያ፣ ወርሓዊ ደሞዞም ኣብ ግዜኡ ክኽፈሎም ብዘይምኽኣሉ የዕዘምዝሙ ምህላዎም ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ጠንቂ ምድንጓይ ምኽፋል ወርሓዊ ደሞዝ እቶም ኣባላት ጸጥታ፣ ምስቲ ብብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ዝተጠርጠሩ ሓለፍቲ እቲ ትካል ኣብ ምህዳን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ከምዝተሓሓዝ ይግለጽ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና፣ ብሰንኪ ካልእ ምሕደራዊ ጸገማት ምዃኑ ብወገን መንግስቲ ይጥቀስ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

ኣብ ቤንሻንጉልን ካልእ ክልላትን ኢትዮጵያ’ውን፣ ነዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ንጥፈታት መንግስቲ ተሰናኺሉ ከምዘሎ ይሕበር።

ብኻልእ ወገን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስም ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ሓደ ብሄር ዝገብሮ ዘሎ ሃንድን፣ ንህዝቢ ትግራይ ንምንብርካኽ ዝዓለመ ብምዃኑ ኣይንቕበሎን ኢና ክብል ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ገሊጹ።

ንሱ፣ ትማሊ 19 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ብስም ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምእሳር ዘመተ ኢድ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኣለዎ ኢሉ ከምዝኣምን’ውን ጠቒሱ።

እንተኾነ ኣየነይቲ ሃገር ምዃና ኣየነጸረን።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0