መራሕቲ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ ኤርትራ ዘትዮም

መራሕቲ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ ኤርትራ ዘትዮም

Radio Erena: 20 November 2018

 Abiy and guelehቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕርዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን፣ ኣብ ጉዳይ ዝምድና ምስ ኤርትራ ዘትዮም።

ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለወን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ብዝሃበኦ ሓበሬታ መሰረት፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ንኽልዓል ጻዕርታት ንዝገበራ ሃገራት ኣመስጊኖም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ገና መዕለቢ ዘይረኸቡ ጉዳያት መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ኣብ ዝብል ነጥቢ’ውን ተመኻኺሮም።

ኣቐዲሙ ክልቲኦም መራሕቲ በብወገኖም ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ይዝከር።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ጅቡቲን፣ ብዛዕባ ዝምድና ምስ ኤርትራ ዝዘተዩ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 11 ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ ንምውጻእ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክባት የካይድ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0