ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ኣብታ ሃገር ተታሒዞም ብዘለው 52 ግብጻውያን ይሰሓሓባ

Radio Erena: 12 November 2020

ኢትዮጵያ፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዛ፣ 52 ግብጻውያን ሒዛቶም ምህላዋ ተሓቢሩ።

እቶም በጻሕቲ ሃገር ምዃኖም ዝተገልጹ ግብጻውያን፣ ናብ ኩዌት ኣብ ዝተበገስሉ እዋን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ’ዮም ተታሒዞም።

ምትሓዝ እዞም ግብጻውያን፣ ምስ ምግታእ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ዝካየድ ዘሎ ናይ ውሸባ መስርሕ ምዃኑ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይግለጽ ምህላው ማዕከን ዜና ኣል ሞኒተር ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ እቶም ግብጻውያን ምስቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ግጭታት ብዝተሓሓዝ ጸጥታዊ ምትእስሳር ተኣሲሮም ከይህልዎ ንዝተፈላለዩ ምንጭታት ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፣ ብዛዕባ ምትሓዝ ዜጋታቱ ኣመልኪቱ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።

================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0