‘ኢሳይያስ፣ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ዘርእዮ ጽልኢ፣ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝጥቀመሉ ታክቲክ ወይ ስልቲ’ዩ።’

Radio Erena: 12 April 2022

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ዘርእዮ ጽልኢ፣ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገብሮ ስልቲ ወይ ታክቲክ ጥራይ ምዃኑ ዘ ኣፍሪካ ሪፖርት ተንቲኑ።

እቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ትንታነ፣ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ክንበር ይኹን፣ እታ ሃገር ካብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክትውንዘፍ ንዝቐረበ እማመታት፣ ኤርትራ ተቓውሞ ምርኣያ፣ ንሩስያ ስለዝደገፈት ዘይኮነት፣ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ዘለዋ ጽልኢ ንምርኣይ ዝዓለመ ‘ዩ ክብል ኣገንዚቡ።

ኣመሪካ ትኹን ሃገራት ኤውሮጳ፣ ናብ ኤርትራ ብምእታው ወይ መንግስቲ ብምቕያር ዝረኽብኦ ረብሓ ከምዘየለን ድሌት’ውን ከምዘይብለንን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ እቲ ፕረዚደንት፣ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእን ተታሓሒዙ ንዝገብራሉ ጸቕጢ፣ ‘ንኤርትራ ክብትኣ ደልየን’ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ብምስራሕ ንገዛእ ህዝቡ መፈራርሒን ስልጣኑ መናውሕን ከምዝጥቀመሉ ‘ዩ ኣብቲ ዓንቀጽ ተዘርዚሩ።

እዚ ንሩስያ ዘርኣዮ ደገፍ፣ ካብታ ሃገር ረብሓ ሃልይዎ ወይ ድማ ስትራቴጃዊ ፖለቲካዊ መርገጺ ወይ ፖሊስ ዘይኮነ፣ ኣካል ናይቲ ናይ ጸላኢ ደምበ ብምፍጣር፣ ገዛእ ህዝቡ ዘፈራርሓሉን ስልጣኑ ዘናውሓሉን ስልቲ ወይ ታክቲክ ምኻኑ ኣስሚርሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብዚ ናይ 31 ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ፣ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ንኤርትራ ክብትንኣ ከምዝደልያ ካብ ምምዳር ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት፣ መሳርሒታት ሃገራት ምዕራብ ኮይኖም ንኤርትራ ንምብታን ይሰርሑ ኣለዉ ብዝብል፣ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ኵናት ብምእታው፣ ህወይት 10ታት ኣሽሓት መንእሰያት ኣጥፊኡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ፕረዚደንት፣ ፖለቲካዊ ጽገና ንዝሓተቱ ሰበ ስልጣን ነበርን ተመሳሳሊ ሕቶታት ከልዕሉ ይኽእሉ’ዮም ንዝበሎም ኤርትራውያን ወገናትን፣ መሳርሒ ሃገራት ምዕራብ ኮይኖም ብዝብል ሃለዋቶም ከምዘጥፍአ ‘ውን ይፍለጥ።

ሃገራት ምዕራብ ንኢሳይያስ ስግኣት ኮይነን ከምዘይፈልጣን፣ ቀንዲ ስግኣቱ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ክብገስ ዝኽእል ናይ ለውጢ ሓይሊ ወይ ተቓውሞ ምዃኑ ኢሳይያስ ኣዳዕዱዑ ከምዝፈልጥ፣ ጸብጻብ ዘ ኣፍሪካን ሪፖርት ኣብ መወዳእታ ደምዲሙ።

===================