‘ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ መንግስትን ኦነግን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ዓዘቕቲ ክሸማ ከምዝኽእል ተሓቢሩ

Radio Erena: 12 April 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ከቢድ ውግእ ይካየድ ምህላዉ እቲ ግንባርን ዝተፈላለዩ ውድባት ኦሮሞን ገሊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብኦነግ ሸኔ ዝፍለጥ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምድምሳስ ወትሃደራዊ ወፍሪ ከካይድ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ኣካላቱ መግለጺታት ከውሕዝ ቀኒዩ’ዩ።

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ክልል ኣምሓራ ዝዋሰን ከባቢታት ክልል ኦሮሞ ንዝንቀሳቀሱ ዕጡቓት ንምህዳን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምዱብ ሰራዊት ጥራት ዘይኮነ ምሊሻታት ኣምሓራ’ውን የዋፍር ስለዘሎ፣ ነቲ ኩነታት ዘጋድድ ስጉምቲ ምዃኑ ውድባት ኦሮሞ ይጠቕሳ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካውን ተቓወምቲ ውድባት ኦሮሞ ዝኾነ ኦፌኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ዕጡቓት ኣምሓራ፣ ምስ ክልል ኦሮሞ ናብ ዘዋስና ዓድታት እናኣተዉ፣ ይቖጻጸርወን ምህላዎም ብምምልካት፣ እዚ ደው ክብል እንተዘይክኢሉ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ዝበኣሰ ጽልኢ ዝፈጥርን ጎንጽ ዝዕድም’ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ‘ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ሓንሳእን ንሓዋሩን ክድምስሶ’የ’ ዝብል ወትሃደራዊ ታህዲድ ሓዲጉ፣ ፖለቲካዊ መፍትሒ ከናዲ እቲ ውድብ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ወለጋ፣ ጉጅን ሰሜን ሸዋን፣ ንኦነግ ንምድምሳስ ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ወትሃደራዊ ወፍሪ ይካየድ ምህላው፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንገዲ ማዕከን ዜንኡ ኣረጋግጹ’ዩ።

ካብ ኵናት ትግራይ፣ ብጃላነት ተዛማዲ ዕረፍቲ ረኺቡ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታቱ ብምትእኽኻብ፣ ንኦነግ ንምድምሳስ ምውፋሩ፣ እታ ሃገር ቅድሚ 30 ዓመታት ንዝነበረ ታሪኽ ገዛ ርእሳ ትደግም ምህላዋ ዝምስክር ሓደገኛ ስጉምቲ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርይእቶ ማሕበራዊ ሜድያ ይገልጹ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0