Radio Erena: 20 March 2022
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንህጹጽ ረዲኤት ዝውዕል 30 ቶን መግቢ፣ ናብ ትግራይ ልኢኻ።
ጋልፍ ኒውስ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ዓረብ ብምጥቃስ ብ19 መጋቢት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ እቲ ብቐጥታ ናብ ከተማ መቐለ ዝኣተወ ናይ መግቢ ረዲኤት፣ 5,600 ህጻናትን ደቀንስትዮን ዝርከብኦም ን7 ሽሕ ሰባት ንህጹጽ ረዲኤት ክዕደል ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣምባሳደር ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ መሓመድ ሳልም ኣል-ራሺዲ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ሃገሩ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላብ ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ፣ እዚ ዝለኣኽ ዘሎ ረዲኤት ከኣ ኣካል’ቲ ኢማራት ንሰብኣዊ ረዲኤት እትልግሶ ዓለም- ለኻዊ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ዝሓለፈ ዓመት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብውድብ መግቢ ዓለም ዝተዓደለ፣ 337 ቶን ናይ መግቢ ረዲኤት ዘጠቓለለ ሓገዝ፣ ሸሞንተ ነፈርቲ ብምጥቃም ናብ ከተማ መቐለ ልኢኻ እያ።
እቲ 200 ቶን ዘይቲ ብልዒ ዝርከቦ ሃለኽቲ ነገራት ዘጠቓለለ ናይ መግቢ ረዲኤት፣ ን80 ሽሕ ሰባት ከምዝተዓደለ ይግለጽ። 18.5 ቶን ናውቲ ሕክምና እውን፣ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሕማማት ንምምካት ዝውዕል ሓገዝ፣ ከምዝተላእከ ኣምባሳደር መሓመድ ሳልም ኣል-ራሺዲ ይገልጽ።
ሰብኣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ብእዋኑ መግትኢ እንተዘይተገይሩሉ፣ ነቲ ድሮ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከብ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ጎንደርን፣ ዓፈርን ዝነብር ህዝብን፣ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን፣ ንምግማቱ ኣብ ዘሸግር ቅልውላው ከውድቖም ከምዝኽእል፣ ትካላት ረዲኤት ይገልጻ።
========================
COMMENTS