ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሐ ፕረዜንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ናብ ቤት ማእሰርቲ ክምለስ ፍርዳዊ ኣካል ወሲኑ

Radio Erena: 11 November 2022

ንሓያሎ ኣዋርሕ፣ ኣብ ናይ ብሕቲ ሆስፒታል፣ ኣብ ሕክምና ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሺር፣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክምለስ ፍርዳዊ ኣካል እታ ሃገር ከምዝወሰነ ተገሊጹ።

ኣልበሺር፣ ናብቲ ድሕሪ ካብ ስልጣን ምእላዩ ተታሒዝሉ ዝጸንሐ ቤት ማእሰርቲ ኮባር ክምለስ ምዃኑ ከምዝተሓበሮም ሓደ ካብ ጠበቓታቱ፣ ሓሽም ኣልጃሊ ንሱዳን ትሪቡን ኣረጋጊጹ።

ምስቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብቲ ሆስፒታል ዝጸንሑ ሰበ ስልጣን ነበር’ውን ብተመሳሳሊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክምለሱ ተወሲኑ ምህላዉ እቲ መርበብ ዜና ንስድራቤታቶም ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ካብ 1989 ኣትሕዙ ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ነበር ኣልበሺር፣ ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ምስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ብልሽውናን ዝተሓሓዝ ክስታት ተመስሪትሉ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣልበሺር፣ ካብ 2003 ኣትሒዙ ኣብ ዳርፉር ተፈጺሙ ብዝተባህለ ጃምላዊ ቅትለን ምምዝማብ ህዝብን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክሱስ ምዃኑ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ምስቶም መራሕቱ ዝነበሩ ኣባላት ስርዓት በሺር ተደናጋጺ ብምዃኑ፣ ጉዳይ ማእሰርቶምን መስርሕ ፍርዲን ብጽኑዕ ከምዘይተታሕዘ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይወቕሱ።

========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0