ናይ ሞት ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ዝነበረ 183 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ድሒኖም

ናይ ሞት ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ዝነበረ 183 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ድሒኖም

Radio Erena: 07 July 2017

spain

ሓይሊ ባሕሪ ስፐይን ናይ ሞት ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ንዝነበረ 183 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዘድሓነ ገሊጹ።

ሓለዋ ባሕሪ ስፐይን ብዕለት 6 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 183 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብዝሒ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም ኮይኖም፣ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝደሓኑ እዮም።

 ኣብ መጀመርያ ናይዚ ሰሙን’ዚ ከባቢ 50 ዝኾኑ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ 3 ጥራይ ብህይወት ክወጹ እንከለዉ፣ ካልኦት ግና ጥሒሎም ከምዝሞቱ፣ እቲ ብህይወት ዝተረፉ እንተለዉ ዝግበር ናይ ምድላይ መስርሕ’ውን ከምዝተቛረጸ ካብ ማድሪድ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

 ሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ክንቆጻጸሮ ኣይከኣልናን ብዝብል ምኽንያት ንሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ስልጠናታትን መሳርሒታትን ብምምዋል ዘካይዶኦ ዘለዋ ናይ ምዕጋት መስርሕ፣ ንቁጽሪ ብሓደጋ ምጥሓል ዝያዳ የዕብዩዎ ከምዘሎ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቀዋሚ መንግስቲ ካብ ዘይብላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሓገዝ ምጽባይ፣ ንስደተኛታት ወይ ሓደጋ ሞት ኣብ ባሕሪ ወይ ከኣ ኣብ ሊብያ መግረፍትን ስቅያትን ከምዝመርጹ ገይሩዎም ይርከብ ክብል ይኸስስ።

እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ካብ ዝጅምር ጥራይ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 2 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ክሞቱ እንከለዉ፣ ልዕሊ 73 ሽሕ ከኣ ብህይወት ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0