ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣተዉ ልዕሊ 75 ሽሕ ስደተኛታት፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ

ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣተዉ ልዕሊ 75 ሽሕ ስደተኛታት፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ

Radio Erena : 29 September, 2014

Ital

ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣተው ልዕሊ 75 ሽሕ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ብምጥቃስ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት – IOM ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ኣብ ጸብጻቡ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ነሓሰ 2014 ብመንገዲ ኢጣልታ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ንምሕታት ካብ ዝኣተዉ ዜጋታታ 15 ሃገራት እቶም ልዕሊ 28 557 ኤርትራውያን ምዃኖም ጠቒሱ።

እዚ ቁጽሪ’ዚ ድማ ንኤርትራውያን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝስርዑ ጌርዎም እኳ እንተሎ፣ ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን’ውን ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ስለዝሓቱ ነቲ ቁጽሪ ኣጋኒንዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

 

ድሕሪ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ብዝሒ ሶርያውያን ሓተቲ ዑቕባ ኮይኑ፣ እቲ ቁጽሪ 23 945 ይበጽሕ።

ኣብ ትሕተ ሰሃራ ካብ ዝረከባ ዝተፈላለየ ሃገራት ናይ ዝመጹ ቁጽሪ ከኣ 14, 347 ክበጽሕ እንከሎ ብድምር ሳልሳይ ረጃ ሒዙ ይርከብ።

ካብ 1214 ክሳብ 7971 ዝግመቱ ብዝሒ ስደተኛታት ሶማል፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ፍልስጤም፣ ማሊ፣ ሰኔጋል፣ ጋና ሞሮኮ፣ ባንግላድሽን ፓኪስታንን ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ የመልክት።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0