ኒጀር፣ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ

Radio Erena: Friday,28 July 2023

ኣብ ኒጀር፣ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሰበስልጣን’ታ ሃገር፣ ዕልዋ መንግስቲ ኣካዪዶም።

መራሒ ናይቲ ዕልዋ ኮሎኔል ኣማዱ ዓብድራማን ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብምዃን ኣብ ተለቪዥን’ታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ፣ ክመርሖ ዝጸንሐ መንግስቲ ከኣ ምፍራሱ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብ መደርኡ፣ ፕረዚደንት ባዙም፣ ጸጥታ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምሕላው ስንፍና ስለዘርኣየ፣ ሓይልታት ሰራዊትን ጸጥታን ብሓባር፣ ካብ ስልጣኑ ክኣልዩዎ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።

ካብ ረቡዕ 26 ሓምለ ኣትሒዙ፣ ዶባት ኒጀር ተዓጽዩ፣ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ዝጸንዕ ሰዓታት እቶ-እቶ ምእዋጁ፣ ከምኡ’ውን ኩለን ትካላት ስርሐን ደው ከብላ ከምዝተኣዘዛ ይግለጽ።

ሓያሎ ሃገራት ዓለም ነዚ ብሰራዊት ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር፣ ኮኒናኦ ኣለዋ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ምስቲ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ብቴሌፎን ብምዝርራብ፣ ኣመሪካ ንዝኾነ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝግበር ዕልዋ መንግስቲ ከምዘይትቕበል ከምዝገለጸሉ ሓቢሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ኣህጉራውያን ውድባትን ሃገራትን እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

ካብ 2020 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ ጥራይ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዕልዋታት መንግስቲ ሸውዓተ ምብጽሑ፣ ንጸጥታዊ ርግኣት እቲ ዞባ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣእትዩዎ ይርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0