Radio Erena: 11 September 2020
ኣብ ኳዜን፣ ብሰንበት 30 ነሓሰ እንታይ‘ዩ ኣጋጢሙ?
መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ኣሲርዎም ዝጸንሐ 20 ዝኾኑ ኣመንቲ ጴንጠቖስጣል፣ ብዋሕስ ከምዝፈትሐ ተሰሚዑ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ኳዜን፣ ሽማግለታት፣ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዝርከብዎም ኣሲሩ።
“ነበርቲ እታ ዓዲ፣ ጸረ ኣንበጣ መድኒት ዝዕደሉ ስለዝመሰሎም፣ ንዝተገብረሎም ጻውዒት ኣኽቢሮም ኣብ ዝተኣከብሉ፣ ብሰራዊት ተኸቢቦም፣ ኣብ 5 በጣሓት ተጻዒኖም‘ዮም ናብ ሓሽፈራይ ተወሲዶም።”
“ክሳብ እዚ እዋን‘ዚ ድማ እቶም ሽማግለታትን መንእሰያትን ኣብ ክልተ ጉጅለ ተኸፊሎም ተኣሲሮም ኣለዉ።”
ተወላዲ እታ ዓዲ ተኽሊት ሚኪኤል ምስ ራድዮ ኤረና ዘካየዶ ዝርዝራዊ ዕላል፣–
=========