“ነበርቲ ኳዜን፣ ጸረ ኣንበጣ መድሃኒት ዝዕደሉ መሲልዎም ድሕሪ ምእካቦም’ዮም ብሰራዊት ተኸቢቦም።”

Radio Erena: 11 September 2020

ኣብ ኳዜን፣ ብሰንበት 30 ነሓሰ እንታይዩ ኣጋጢሙ?

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ኣሲርዎም ዝጸንሐ 20 ዝኾኑ ኣመንቲ ጴንጠቖስጣል፣ ብዋሕስ ከምዝፈትሐ ተሰሚዑ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ኳዜን፣ ሽማግለታት፣ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዝርከብዎም ኣሲሩ።

ነበርቲ እታ ዓዲ፣ ጸረ ኣንበጣ መድኒት ዝዕደሉ ስለዝመሰሎም፣ ንዝተገብረሎም ጻውዒት ኣኽቢሮም ኣብ ዝተኣከብሉ፣ ብሰራዊት ተኸቢቦም፣ ኣብ 5 በጣሓት ተጻዒኖምዮም ናብ ሓሽፈራይ ተወሲዶም።

ክሳብ እዚ እዋንዚ ድማ እቶም ሽማግለታትን መንእሰያትን ኣብ ክልተ ጉጅለ ተኸፊሎም ተኣሲሮም ኣለዉ።

ተወላዲ እታ ዓዲ ተኽሊት ሚኪኤል ምስ ራድዮ ኤረና ዘካየዶ ዝርዝራዊ ዕላል፣

=========