ኡጋንዳ፣ ብኢንተርነት ሓበሬታ ዝዝርግሕ ዝኾነ ሰብ ሕጋዊ ፍቓድ ክህልዎ ዘገድድ ኣዋጅ ወጺኡ

Radio Erena: 11 September 2020

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ብኢንተርት ሓበሬታ ዝዝርግሕ ዝኾነ ሰብ፣ ሕጋዊ ፍቓድ ክህልዎ ዘገድድ ኣዋጅ ኣውጺኡ።

ብመሰረት እቲ ብ7 መስከረም ዝወጸ ኣዋጅ፣ ዜጋታት እታ ሃገር፣ ነቲ ብመንገዲ ኢንተርነት፣ ብመልክዕ ዌብሳይት ይኹን ብሎግ ከምኡ ድማ ማሕበራዊ ሜድያ ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ ሓበሬታ ክቅጽልዎ እንተደልዮም፣ ክሳብ 5 ጥቅምቲ ክምዝገቡን ሕጋዊ ፍቓድ ክህልዎምን ኣለዎ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ብመንገዲ ኢንተርነት ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ውልቀሰብ፣ ፍቓድ ንምርካብ 97 ዶላር ክኸፍል ክሕተት’ዩ።

እዚ መንግስቲ ኡጋንዳ ኣውጺእዎ ዘሎ ኣዋጅ፣ ዓቢ ዕንቅፋት ንናጽነት ፕረስን መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምዃኑ ኣህጉራውያን ትካላት ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞታትን ኣብ ምስማዕ ይርከባ።

እቲ መንግስቲ፣ ከምዚ ዓይነት ጽኑዕ ቁጽጽር ኣብ ልዕሊ ተጠቐምቲ ኢንተርነትን ማሕበራዊ ሜድያን ዘውጽእ ዘሎ፣ እታ ሃገር ዝመጽእ ዓመት ንዝካየድ ምርጫ ምድላዋት ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሚሴቬኒ፣ ዕድመ ኣብ ምርጫ ናይ ዝወዳደር ዜጋ ንዝድረት ቅዋም እታ ሃገር ብምልዋጥ፣ ክሳብ 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ዘኽእሎ ምርጫ ክሳተፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ዩ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ክኸውን እንከሎ፣ ብ29 ዓመታት ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ድማ ፕረዚደንት ሃገር ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0