ነበርቲ ምብራቕ ሱዳን፣ መንግስቲ ንመነባብሮ እቲ ዞባ ከመሓይሽ ብዘይምኽኣሉ ተቓውሞታት የካይዱ

ነበርቲ ምብራቕ ሱዳን፣ መንግስቲ ንመነባብሮ እቲ ዞባ ከመሓይሽ ብዘይምኽኣሉ ተቓውሞታት የካይዱ

Radio Erena: 04 August  2015

Protestin ES

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ገዳርፍ፣ መነባብሮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ብምምጽኡ፣ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንሳልስቲ ዝቀጸለ ተቓውሞ ህዝቢ፣ ብፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ንምዕጋቱ እኳ እንተተፈተነ፣ ክዕወት ከምዘይክኣለ ማዕከናት ዜና ካብቲ ቦታ ሓቢረን።

ኣብ ዞባ ገዳርፍ፣ ኣገልግሎታት ዝስተ ጽሩይ ማይን ኤሌክትሪክን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ስለዝመጸ፣ ነቲ ተቓውሞ ከምዝካየዱ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢሮም።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን ሓካይም ዞባ ገዳርፍ’ውን ስራሕ ደው ናይ ምብላ ኣድማ የካይዱ ምህላዎም ካብቲ ዞባ ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ሓካይም ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ን80 ዝኾኑ ጀመርቲ ሓካይምን ካብ ስራሕ ስለዘባረሮም ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ነቲ ኣድማ መሪሕኩም ዝተባህሉ ክልተ ሓካይም ክኣስሩ እንከለዉ፣ ተቓውሞን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማን ብዝምልከት ጸብጻባት ዘዳለዉ ሰለስተ ጋዜጠኛታት’ውን ከምዝቀየዱ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣመልኪቶም።

ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ብፍላይ ከባቢታት ከሰላን ገዳርፍን ካብ ምዕባለ ዝተነጸለ ክፋል ሱዳን’ዩ እናተባህለ’ዩ ዝግለጽ።

ብሰንኩ ድማ ነበርቲ እቲ ዞባ ዝኾኑ ቀቢላታት ቤጃን ራሻይዳን ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ዕጥቃዊ ጎነጽ ከምዘለዓዓሉ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ 2006 ምስ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ሰላም ዝኸተመ ሃገራዊ ባይቶ ቤጃ ዝተባህለ ተቃዋሚ ውድብ ምብራቕ ሱዳን፣ መብጽዓታት እቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዓለ ብምውቃስ፣ ብረታዊ ቃልሱ ክቕጽል ምዃኑ ኣጠንቒቑ።

ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ሸይባ ድራር ብዛዕባ’ዚ ኣመልክቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ ምዕሩይ ዝርግሐ ልምዓትን ምምቕራሕን ጸጋታትን ክትግበር ምዃኑ እኳ እንተተኸተመሉ፣ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ሕጂ’ውን ከም ቀደሙን ተነጺሉ ምህላዉ’ዩ ወቒሱ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ልፍንታዊ ግንባር ዘቖሙ ቤጃን ራሻይዳን፣ ምስ መንግስቲ ሱዳን ኣብ 2006 ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተሙ ዝዝከር’ዩ።
=============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0