ኣብ ኬንያ፣ ብብልሽውና ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ይጠፋፋእ

ኣብ ኬንያ፣ ብብልሽውና ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ይጠፋፋእ

Radio Erena: 04 August  2015

Kenya corruption

ኣብ ኬንያ ዓመታዊ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ብብልሽውና ከምዝጠፋፋእ ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ መንግስቲ ኬንያ ብልሽውና ንምቅላስ ሓድሽ ስትራቴጂ ከምዝሓንጸጸ ኣብ ዝሕብረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ነታ ሃገር ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑዋ ዘሎ ብልሽውና ንምቁጽጻር ካብ ዘተኣታተዎ ስትራቴጂ ሓደ ኣብ ብልሽውና ናይ ዝተዋፈሩ ሰበ ስልጣን ይኹኑ ካልኦት ኣስማቶምን ዘጠፋፍእዎ ብዝሒ ገንዘብን ንህዝቢ ቅሉዕ ምግባር ዝብል ይርከቦ።

 

ኬንያ ብሰንኪ’ዚ ንዓመታት ዝሰረተ ብልሽውና ዓመታዊ ኣስታት 250 ሽሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምዝዕጾ’ውን ዝተፈላለኢ ጸብጻባት የመልክቱ።

ክፍሊ ምቁጽጻር ሕሳብ መንግስቲ ኬንያ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መደምደምታ፣ ካብ ዓመታዊ ባጀት እታ ሃገር እቲ 1.2 ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ኣብ ግቡእ መዓላ ውዒሉ።

ኣብ ኬንያ ሳዕሪሩ ዘሎ ብልሽውና፣ ሓደ ካብቲ ጸጥታ እታ ሃገር ብኣሸበርቲ ጉጅለታት ብቀሊሉ ክጥሓስ ርሒብ ኣፍደገ ዝኸፈተ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን፣ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፣ ሰበ ስልጣን መንግስትን ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን እቶም ኣውራ ኣብ ብልሽውና ዝተቆማጥዑ ምዃኖም ሰነዳት ኬንያ የመልክት።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0