ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ መደባት ከተዕቢ ምዃና ትገልጽ

Radio Erena: 30 April 2019

ጅቡቲን ቻይናን ኣብ መንጎአን ዘሎ ኩሉ ዓይነት ርክባት ብዝያዳ ንምዕባዩ ዘኽእለን ስምምዓት ከምዝኸተማ ተገሊጹ።

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ መደባት ከተዕቢ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ።

እዘን ክልተ ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝኸተማ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ካብ 25 ክሳብ 28 ሚያዝያ፣ ኣብ ቤጂንግ ዝተኻየደ ዋዕላ ‘ተበግሶ ቤልት ኤንድ ሮድ’፣ ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢፒንግ ብምርኻብ ድሕሪ ዘካየዶ ምይይጥ’ዩ።

ፕረዚደንት ገለ ብዘይካ’ዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና፣ ሊ ህስየን ሉንግ ብምርኻብ፣ ኣብ ዝተጀመሩ ሽርክናታትን ብሕጂ ዝህልዉ ምትሕግጋዛትን ብምትኳር ዘትዩ።

ቻይና፣ ካብ መሬታ ወጻኢ፣ ሰራዊታ ዘስፈረትላ እንኮ ሃገር ጅቡቲ ክትከውን እንከላ፣ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ዝደኮነቶ ወትሃደራዊ መዓስከራ ንምዕባዩ መዲባ ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣብ ምህናጽ መንገዲ ባቡርን ምስፋሕ ወደባትን ዝኣመሰለ ሓያሎ ፕሮጀክታት ጅቡቲ ብሒታ እትርከብ ቻይና፣ ነታ ሃገር ብናይ ቢልዮናት ዕዳ ጅሆ ትሕዛ ከምዘላ’የን ሃገራት ምዕራብ ዝወቕሳ።

ምስፍሕፋሕ ቻይና ናብዛ ስትራቴጅያዊ ኣቀማምጣ እትውንን ጅቡቲ፣ ኣብታ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከራት ንዝውንና ኣመሪካን ፈረንሳን ሻቕሎት ኣሕዲሩ ከምዘሎ በብእዋኑ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0