ታንዛንያን ኡጋንዳን፣ ባጤራ ኬንያ፣ ኣብ ባንክታተን ከይሽረፍ ኣጊደን

Radio Erena: 13 June 2019

ታንዛንያን ዩጋንዳን፣ ባጤራ ኬንያ፣ ኣብ ባንክታተን ከይሽረፍ ኣገደን።

እዘን ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ሽሊንግ’ እገዳ ዝገበራሉ ምኽንያት፣ ሃገራዊ ባንክ ኬንያ፣ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ምዝውዋርን ትምየናን፣ ባጤራ ከምዝቐየረ ድሕሪ ምሕባሩ’ዩ።

ሃገራዊ ባንኪ ኬንያ፣ ካብ 31 ግንቦት ኣትሒዙ፣ ነቲ ናይ ምቕያር መስርሕ ኣብ ግብሪ ከምዘውዓሎ ድሕሪ ምግላጹ፣ ኣብ ዕዳጋታት ዘይንቡር ምንቅስቓስ ከምዝተራእየ’ዩ ተሓቢሩ።

ክሳብ’ቲ ናይ ምቕያር መስርሕ ምሉእ ብምሉእ ዝዛዘም፣ ባንክታት ታንዛንያን ዩጋንዳን፣ ኣብ ዕዳጋታተን ብዝሒ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ባጤራ ኬንያ ከምዘየሽርፍኦ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

እዚ ድማ ኣብ ነጋዶ ሰለስቲኤን ሃገራት ከቢድ ጽልዋ ፈጢሩ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ኢንደፐንደንት ካብ ኡጋንዳ ኣመልኪቱ።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0