Radio Erena: 27 August 2021
ቱኒዝያ ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝተፈጥረ ምስሕሓብ መተዓረቒ ዝበለቶ እማመ፣ ዳግማይ ከተቕርብ ምዃና ገሊጻ።
ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሓምለ ባይቶ ጸጥታ ንጉዳይ ኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ኣኼባ፣ ቱኒዝያ ንዘቕረበቶ እማመ ካብ ኣባል ሃገራት ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ቱኒዝያ ነቲ እማመ ምትዕርራያት ብምግባር ዳግማይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከተቕርቦ ምድላዋት ትገብር ከምዘላ ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሪዱዋን ሑሴን፣ ንኣምባሳደራትን ወጻእተኛታት ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነዚ ናይ ቱኒዝያ እማመ ‘ዘይሓላፍነታዊ’ ድሕሪ ምባል፣ ዝምልከተን ሃገራት ተላዚበን ክመልስኦ ናብ ዘይክእላ ኩንታት ክሸመን እዩ ኢሉ።
ሱዳን፣ እቲ እማመ፣ ንጥፈታታ ኣብ ፈለግ ናይል ክሳብ ዘይዓንቀፈ ክትቅበሎ ከምእትኽእል ገሊጻ። ግብጺ ግና፣ ፈለግ ናይል ዋሕዙ እንተቋሪጹ፣ ከጋጥማ ዝኽእል ሕጽረት ማይ፣ ገና ስግኣታ ከምዘይተቐንጠጠ ሓቢራ።
እቲ ብቱኒዝያ ዝቐረበ እማመ፣ ካብቲ ኣቐዲሙ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዳለወ ናይ መተዓረቒ እማመ ብዙሕ ዝፍለ ከምዘይኮነ፣ ዲፕሎማስያዊያን ምንጭታት ይገልጹ።
COMMENTS