ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሰለስተ ቱርካውያን ባሕረኛታት፣ ብሓገዝ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ከምዝተፈትሑ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም

Radio Erena: 23 June 2020

ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ብምስጢር ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሰለስተ ቱርካውያን ባሕረኛታት፣ ብሓገዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ክፍትሑ ከምዝኽኣሉ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ፣ ሃለዋት እቶም ባሕረኛታት ንምፍላጥ ናብ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ከቕርቦ ዝጸንሐ ጠለባት፣ መልሲ ከምዘይረኸበ’ዩ ከመልክት ጸኒሑ።

ዝምድና ኤርትራን ቱርኪን ሻሕካር ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ልዕሊ 3 ቢልዮን ኣውፊራ እትርከብ ቱርኪ ብኣንጻሩ ምስ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዘለዋ ይፍለጥ።

====================