“ካብ ማእሰርቲ ሊብያ ናብ ኣስመራ ክምለሱ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ሃዲሞም”

Radio Erena: 22 June 2020

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጕኖም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ገሊኦም ናብ ግዝያዊ መጽንሒ መዓስከራት ቻድን ርዋንዳን ክሰጋገሩ እንከለዉ፣ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ኔሮም’ዮም።

እቶም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ፣ ብዙሓት እኳ እንተዘይኮኑ፣ ብድሌቶም ምዃኖም’ዩ ጸብጻባት ክቐርብ ጸኒሑ።

ብማዕከናት ዜና ኤውሮጳን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝቐርብ ዘሎ መርመራዊ ሰነዳት ከምዝነጽሮ፣ እቶም ካብ ሊብያ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ብድሌቶም ዘይኮነ ብግዴታ ምዃኑ’ዩ።

ዩሮኒውስ ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት፣ ናብ ኤርትራ ክምለሱ 21 ኤርትራውያን፣ ኣብ ከተማ ጣራብሎስ፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሚዕጢጋ ተረኺቦም ኔሮም።

ኣስታት 100 ኪሎሜተር ንምዕራብ ካብ ከተማ ጣራብሎስ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዛውያ ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ብሕማቕ ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ሓደስቲ ክዳንውቲን ሳንጣን ተሃቢብዎም’ዮም ናብ ዓዶም ክፋነዉ ድሉዋት ኮይኖም።

እንተኾነ፣ ሓሙሽተ ካብኣቶም፣ ንኣባላት ጸጥታ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምጥሓስ ክሃድሙ ክኢሎም።

ሓይልታት ጸጥታ፣ ነቶም ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ክሃድሙ ዝፈተኑ ኤርትራውን ንምሓዝ ጠያይቲ ናብ ሰማይ እኳ እንተተኮሱ፣ ደው ከብልዎም ኣይከኣሉን።

እቶም ዝተረፉ 16፣ ወጻኢታት ናይ ነፋሪት ጉዕዞኦም፣ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝሽፍኖ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ሰራሕተኛ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ኣረጋጊጹ።

እቶም ኤርትራውያን ብድሌቶም ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሱ ጸብጻብ እኳ እንተቐረበ፣ ምስ ዝነበርዎ ሕማቕ ኩነታት ማእሰርቲ፣ “ዓድኹም ክትምለሱ ዶ ወይ ኣብ ማእሰርቲ ክትበልዩ?” ዝብል ጨካን ኣማራጺ፣ ከም ብድሌቶም ዝተመልሱ ኮይኑ ክቐርብ ከምዘይብሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረድኡ።

=========

COMMENTS

WORDPRESS: 0