ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ክህደን ዝጸንሐ ኤርትራዊ ኣብ ኬንያ ተታሒዙ

Radio Erena: 03 January 2022

ንነዊሕ ዓመታት ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሱ ክህደን ዝጸንሐ፣ ጆን ሃብተ ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ኣብ ኬንያ ተታሒዙ።

ኣህጉራዊ ፖሊስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ካብ 2017 ኣትሒዙ፣ ብመንግስቲ ኔዘርላንድስ ክህደን ዝጸንሐ ወዲ 57 ዓመት ኤርትራዊ፣ ብ16 ታሕሳስ ብፖሊስ ኬንያ ድሕሪ ምትሕዙ፣ ኣብ 25 ታሕሳስ ናብ ፖሊስ ኔዘርላንድስ ተሰጋጊሩ።

ፖሊስ ኬንያ ነቲ ክህደን ዝጸንሐ ኤርትራዊ ተኸታቲሉ ክሕዞ ዝኸኣለ፣ ብ10 ታሕሳስ ካብ ዘ ሄግ ብዝተላእከሉ ሓበሬታ መሰረት’ዩ።

ናይ ኤርትራን ነዘርላንድስን ድርብ ዜግነት ከምዘለዎ ዝተገልጸ ጆን ሃብተ፣ ፖስፖርትን ቪዛን ብምትምያን፣ ናይ ልደት፣ መርዓ፣ ትምህርቲን ካልእ ሰነዳትን ብምስናዕን፡ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዘሰጋገረ ይኽሰስ።

ካብ ነፍሲ ወከፍ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዘሰጋግሮም ሰባት፣ ካብ 15 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ዶላር ከምዝተቐበለን፣ ብዙሓት ድማ ኣታሊልዎም ከምዝተሰወረን ይገልጹ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0