ሱዳን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ስልጣን ድሕሪ ምሕዳጉ፣ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ተጎሃሂሩ

Radio Erena: 03 January 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ምስ ወትሃደራዊ ጉጅለ ብምዃን ንሱዳን ካብ ውድቀት ንምሓድን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ከምዝወሰነ ገሊጹ።

ንሱ ብመንገዲ ቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ንሱዳን ካብ ዕንወት ንምድሓን ዝከኣሎ ከምዝጸዓረ ብምጥቃስ፣ እታ ሃገር ንህላዌ ዝፈታተን ሓደገኛ ነጥበ መቐይሮ ትሰግር ምህላዋ ኣገንዚቡ።

ኣብ 25 ጥቅምቲ ብዕልዋ ተኣልዩ ዝነበረ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዝገበሮ ስምምዕ፣ ብ21 ሕዳር ናብ ስልጣን ክምለስ ክኢሉ።

ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ናይ ክኢላታት ምሕደራ ኣካል መንግስቲ እንተዘይኮይኑ፣ ናይ ፈጻሚ ኣካል ስልጣን ኣይነበሮን።

ህዝቢ ሱዳን ድማ ነቲ ስምምዕ ብወትሃደራዊ ጉጅለ ዝተዓብለለ’ዩ ኢሉ ብምቕዋም፣ ስልጣን ምሉእ ብምሉእ ናብ ሲቪላዊ ወገን ክሰግስገር ይጽውዕ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ብውሕዱ 57 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ኣማኢት ቖሲሎም።

ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን፣ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ደረቱ ዝሓለፎ ጎነጽ ይጥቐሙ ከምዘለዉ ይውቐሱ።

ዓብደላ ሓምዶክ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ካብ ዝደፋፍአ ነጥብታት ሓደ’ውን፣ መዓልታዊ እናዓበየ ዝምጽእ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢን ዝስዕብ ዘሎ ሞትን መቑሰልትን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣኑ ምስ ሓደገ፣ ኣብ ካርቱም ካልኦት ከተማታትን ኣብ ዳግም ኣብ ዝነሃረ ተቓውሞን ናዕብን፣ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክምለስ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0