ብቀ.ሚ. ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካዪዱ

Radio Erena: 19 July 2020

ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካዪዱ።

ዕላማ’ቲ ጉጅለ ልኡኽ ብወግዒ ኣይተገልጸን። ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ሓበሬታ ‘ክልቲኦም ወገናት ዝምድናኦም ንምድልዳልን፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ንህዝሉ ምትሕብባርን ዘትዮም’ ዝብል እንተዘይኮይኑ፣ ዝርዝራዊ መግለጺ የብሉን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፣ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው፣ ከምኡ’ውን ብጉዳይ ዲጋ ተሃድሶ ምስ ግብጺ ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ሰማይ ዓሪጉ እንከሎ፣ ሃንደበታዊ መገሻ ናብ ኤርትራ ምፍጻሙ፣ ካልእ ንጹር ዘይኮነ ዕላማ ከምዘለዎ’ዩ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝወሃብ ዘሎ ትንታነ።

‘ዝምድና ፕረዚደንት ኢሰያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዳግማይ ካብ ዝሕደስ ኣብ 2ይ ዓመቱ፣ እቲ መስርሕ ብከምቲ ተስፋ ዝተነብረሉ ኣይከደን’ ክብል ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ፣ እዚ ሃንደበታዊ ዑደት ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይካየድ ምህላዉ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ዘይዕጋበት ዝርእዩዎ ወገናት እውን ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ዳግማይ ምሕዳስ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ካብ ጀመረሉ ዕለት ጀሚሩ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ኮነ ካልኦት ጎረባብቲ ዝካየዱ ስምምዓት፣ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰወሩ ምዃኖም፣ ቀጻሊ ሻቕሎት ዝፈጥር ጉዳይ ከምዝኾነ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ይገልጹ።