Radio Erena: 05 January 2021
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ዝተረቁሑ፣ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዘሎ ክኽሕዱ’ዮም ጸኒሖም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ኵናት፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝገበረሉ ውዕለት ብወግዒ እኳ እንተመስገነ፣ ሰራዊት ኣብቲ ኵናት ምእታውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ትግራይ ከምዘሎን ግና ኣየነጸረን።
ይኹን’ምበር፣ ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኮይኑ ዝተረቑሐ ኣታኽልቲ ሃይለስሳሌ፣ ምስ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዘሎን፣ እቲ ሕቶ መዓስን ብኸመይን ከምዝወጽእ ኮይኑ ምህላዉን ኣረጋጊጹ።
ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያ ንዝተፈጥረ ጸገም፣ ብሓገዝ ወትሃደራዊ ሓይሊ ጎረቤት ሃገራት ክትፈትሖ ምፍታና፣ እቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ብቀሊሉ ክፍታሕ ናብ ዘይክእልን ነባሪን ጽልኢ ጎረባብቲ ህዝብታት ዘሰጋገረ ሓደገኛ ስጉምቲ ምዃኖም’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ዝህቡ።
ኣብ ሽረን ከባቢኣን ኣብ ዝቖመ ዝተፈላለየ ናይ ተፍትሽ ነቑጣታት፣ ብኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ይሕሎ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ብራድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።
ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተወልዐ ኵናት ከምዝተሳተፈን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ከምዘሎን’ውን ብሰፊሑ ዝፍለጥ’ዩ።
=================