Radio Erena: 26 September 2017
ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ናይ ካናዳ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ቢሻ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ንዝቐረበ ክሲ ብዝምልከት፣ ናይ ይግባይ መስርሕ ክርኢ ምጅማሩ ተሓቢሩ።
ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዕደና፣ ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ንዝመጽዎ ኤርትራውያን፣ ኣብ ስራሕ ብምውፋሩ፣ ብናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ምስኡ ዝተሓሓሓዘ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክሲ ከምዝተመስረተሉ ይዝከር።
እንተኾነ እቲ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ክስትታት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ’ዩ ክርአ ዝግባእ ብምብል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ንምውራዱ ክከራኸር ጸኒሑ።
ቤት ፍርዲ ብሪትሽ ኮሎምብያ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይጸቕጥን ምእትእትታውን መንግስቲ ኤርትራ ክሰርሕ ዝኽእል ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ከምዘየለን ብምድምዳም፣ እቲ ኤርትራውያን ኣንጻር ኩባንያ ኔቭሰን ዘቕረብዎ ክሲ ኣብ ካናድ ክርአ ከምዝኽእል ኣብ ጥቅምቲ 2016 ውሳኔ ሂቡሉ’ዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ፣ ግዳያት እቲ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ኔርና ኢና ዝበሉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ እንደገና ናብ ኤርትራ ተመሊሶም፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መሻርኽቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ናይ ካናዳ ኩባንያ ክሲ ክምስርቱ ንድሕነቶም ሓደገኛ ስለዝኾነ፣ ጉዳዮም ኣብ ካናዳ ክርአ ከምዝኽእል’ዩ ደምዲሙ።
ይኹን’ምበር ኩባንያ ኔቭሰን ነቲ ዓሚ ብቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ብይን ብምቅዋም፣ እቲ ጉዳይ ደጊሙ ክርአ ይግባይ’ዩ ሓቲትሉ ጸኒሑ።
ኩባንያ ኔቭሰን ብዝሓተቶ መሰረት ከኣ፣ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፣ ነቲ ናይ ይግባይ ጉዳይ ካብ ሰኑይ 25 መስከረም ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልታት ይርእዮ ምህላዉ ካብ ቫንኩቨር ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የመልክት።
60 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ቢሻ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ወርቅን ካልእ ማዕድናትን ዝውንን ኩባንያ ኔቭሰን፣ ብሰገንን ካልኦት ናይ ህንጻ ትካላትን ህግደፍ ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብግዴታ ተመዲቦም ንዝመጽዎ ኤርትራውያን፣ ኣብቲ ሚልዮናት ዶላራት መኽሰብ ዝረኽበሉ ዘሎ ዕደና ኣብ ናይ ናጻ ናይ ጉልበት ስራሕ ብምውፋሩ’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
እቲ ክሲ ፈለማ ግዳያት እቲ ምዝመዛ ኮይና ኢና ብዝበሉ ሰለስተ ኤርትራውያን እኳ እንተተበገሰ ኣብዚ እዋን’ዚ ተመሳሳሊ ክሲ ናይ ዘቕረቡ ብዝሒ ኤርትራውያን 45 በጺሑ ኣሎ።
ኣብዚ ናይ ቢሻ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ተዋፊርና ኔርና ዝብሉ ኤርትራውያን’ውን፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዘለውዎ ሃገር ብዘየገድስ፣ ጉዳዮም ኣብዚ ኣብ ቤት ፍርዲ ካናዳ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ’ዚ ክርአ ከምዝኽእል ይፍለጥ።
============================
COMMENTS