ቁጽሪ ተመዛበልቲ ሰባት ፣ ብደረጃ ዓለም 114 ሚልዮን በጺሑ

Radio Erena: Friday 27 October 2023

ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ካብ መንበሪኦም ብግዴታ ተመዛቢሎም ዝነብሩ ሰባት ልዕሊ 114 ሚልዮን ከምዝኾነ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ብረቡዕ 25 ጥቅምቲ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ክብረወሰን ዝሓዘ ኣሃዝ እዩ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ብደረጃ ዓለም ብኲናት፣ ስደት፣ ዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ልዕሊ 114 ሚልዮን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ” ኢሉ ኔሩ ።

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2023 ቀንዲ መንቀሊታት ኣብ ዩክሬን፣ ሱዳን፣ ሚያንማርን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝተፈጥሩ ግጭታት፤ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው፤ ከምኡ’ውን ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ድርቂ፡ ውሕጅን ዘይውሕስነትን ድምር ምዃኑ UNHCR ገሊጹ።

“ዓለም ኣብዚ እዋን ኣተኩሮኣ ኣብ’ቲ ኣብ ጋዛ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ዕንወት’ዩ። ብደረጃ ዓለም ግን ኣዝዩ ብዙሕ ግጭታት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፡ ህይወት ንጹሃት ይወስድን ሰባት ካብ ይምንጥልን ኣሎ” ክብል ሓላፊ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)ን ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን (ECOWAS) ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ስምምዕ ፈሪሞም።

እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ምሕላው መሰላት ስደተኛታት፡ ሃገር ዘይብሎም ውልቀሰባት፡ ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ተመዛበልቲ (IDPs) ኣብ ውሽጢ’ቲ ዞባ ዘለዎም ምትሕብባር ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብዝተፈጥረ ግጭታትን ዓመጽን ኣስታት 6,976,470 ሚልዮን ሰባት ከምዝተመዛበሉ ተሓቢሩ። ከብዚኦም እቶም 6,352,346 ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ክኾኑ እንከለዉ እቶም 624,124 ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት እዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0