ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 05 July 2016

Natanyahu

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ኡጋንዳ፣ ኬንያን፣ ርዋንዳን ኢትዮጵያን ንምብጻሕ’ዩ፣ እግሩ ኣብ መርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ኣብ ዝረገጸሉ፣ ድሙቕ ኣቐባብላ ከምዝተገብረሉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ ኣብዚ 30 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ናታንያሁ ኣብዚ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብዝያዳ ዘተኩረሉ ዛዕባ ምምላስ እቶም ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ልዕሊ 35 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ምዃኑ ይግለጽ።

 

እስራኤል ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ መሊሳ ከምዘላን ብሕጂ’ውን ብዙሓት ናይ ምምላስ መደብ ከምዘለዋን ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ እስራኤላዊ፣ መራሕቲ ሃገራት ኡጋንዳ፣ ርዋንዳ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ታንዛንያን ዛምብያን ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝሳተፍዎ ፍሉይ ዋዕላ ንግድን ምትሕግጋዝን ክሳተፍ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የመልክት።

=====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0