ናፓልዮን መበቖሉ ኤርትራ’ዩ?

ናፓልዮን መበቖሉ ኤርትራ’ዩ?

Radio Erena: 04 July 2016

Nap

     “ኣንታ ሰሚዕካ ዶ? ናፖልዮን መበቆሉ ኤርትራዊ ምዃኑ’ኮ ተረጋጊጹ።”

     “እንታይ ትብል? መን’ዩ ኸ ኣረጋጊጹ?”

     “ኣብዚ ኣብ ፓሪስ፣ ኣብ ሰርቦን ዩኒቨርሲቲ ዓሙቕ መጽናዕቲ ተኻይዱ፣ በቃ! ናፖልዮን ኤርትራዊ’ዩ መበቖሉ ደምዲሞም።”

     “መቸም ፣ ከደራይ ሕብሪ ቆርበት ስለዝነበሮ ኣይኮነን፣ ኤርትራዊ’ዩ ዝብልዎ ዘለዉ፣”

     ብታሪኽ ናፖልዮን ዝምሰጥ ገብሩ ዝተባህለ ፈላጢ ኣሎኒ። ምናልባት ኣብ ፈረንሳ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ምቕማጡ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሓደ ንግሆ ኣብ ኣእምሮይ እንታይ ከምዝበቖለ ከይተረድኒ ሓዲረ ከኣ’የ፣ ቴሌፎን ደዊለ ናፖልዮን ኤርትራዊ ምዃኑ ዘበስሮ ዘለኹ። ዓቢ ብስራት!!!

     ብቐሊሉ ክኣምነኒ ኣይከኣለን።

 

     ናፖልዮን ኣብታ ንኢጣልያን ፈረንሳን ንነዊሕ እዋን ዘሰሓሓበት ደሴት ኮርሲካ ዝተወልደ ዕሉል ጦረኛ’ዩ ዝነበረ። ሓይሎ ኮርሲካውያን ካብ ፈረንሳ ተፈልዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ከቑሙ እናሻዕ ይደናደኑ’ዮም። ፈረንሳ፣ ብደሞክራስያ ዕድላት ሂባቶም። ክዕወቱ ግን ኣይከኣሉን። ታሪኽ ናፖልዮን ካብ ታሪኽ ፈረንሳ ተነጺሉ ኣይርአን። ናፖልዮን ካብ ታሪኽ ዓለም ነጺልካ ከተውጽኦ’ውን ኣጸጋሚ።

     ንገብሩ ዓርከይ፣ “ናፖልዮን መበቆሉ ኤርትራዊ’ዩ” እንተበልክዎ ‘ምበኣር እንተተጠራጠረ ሓቝ’ዩ። ንጥርጣረኡ ከፋዅስ ግና፣

     “እንዳብኡ ካርነሽም’ዩ ኢሎሞ፣” ወሰኽክሉ።

     “ሰብ ካርነሽም ከ ወድና’ዩ ዶ’ሞ ኢሎም?” እዚ ወዲ ይላገጽ’ዩ ዘሎ ብዘስምዕ ቃና።

     “እዋእ! ሰብ ጽልማ ዶ ፑሽኪን ወድና ኢሎም ኣረጋጊጾም’ዮም። ወድኹም’ዩ ስለዝተባህሉ ጥራይ ኣብ ኣስመራ ብእምብልታን ዕልልታን ሓወልቲ ኣቑሞምሉ ኣለዉ።”

     “ንሱ ደኣ’ሞ፣ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ እኳ ከባቢታት ኤርትራ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ መጻሕፍቲ ይርከብ እንድዩ።”

     ገብሩ መርትዖ ኣቕሪቡ። ናይ ናፖልዮን ግን እኹል መርትዖ የለን ዝኣንፈቱ መርትዖ።

     “ካብ ድባርዋ- ኣማድር ኣትሒዝካ ኪድ ምድረ-ሰራየ፣ ፑሽኪን ወድና’ዩ ትብል ስድራ ኣይትረከብ’ያ፣” ብውልቁ ዘካየዶ መጽናዕቲ እንተሎ ክፍትሾ’ይለ።

     ግደ ሓቂ፣ ንፑስኺን ፈርያ እትብሃል ስድራ እንዳቦይ ኣብርሃም ሃኒባል’ውን ኣብዚ ምድሪ’ዚ ኣይተሰምዐትን። ብታሪኽ እዚ ቅድሚ 200 ዓመታት ዝተወልደ ደራሲ ዝሕበን ኤርትራዊ ምሁር ግና እዝክር።

     ዶክተር ሰሎምን ጋዜጠኝነት ክምህር ካብ ወጻኢ ሃገር ዝኣተወ ነበረ። ንመዓጹ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጋዜጠኝነት በሳእልን ታሪኽን ፑሽኪን ለጣጢፉ መርኣዩ ዘይብሉ ገበሮ። ኣውራ ከኣ፣ ነታ “ፑሽኪን መበቆሉ ኤርትራ’ዩ” እትብል ሓረግ ብደሚቕ ሕብሪ ኣስሚሩላ’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ፑሽኪን ኤርትራዊ’ዩ ዝበለ ካብ ግዳም ጥራይ’ዩ።

Pushki

     “እሞ ምናልባት ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ከባቢ ትግራይ’ውን ይኸውን፣” ተማጎተ ገብሩ።

     “ህዝቢ ትግራይ’ውን ፑሽኪን ወድና’ዩ ክብል ኣይተሰምዐን። ምሁራትን መሳፍትን ሽዋ ፑሽኪን ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ’ዩ እናሉ ክሕበኑ ግና ሰሚዐ ኣለኹ፣”

     ኣርእስትና ካብ ናፖልዮን ናብ ፑሽክን ዘሊሉ እናዘከርኩ።

     “ሽረ ገጽካ ተዛዊርካ ዶ ትፈልጥ?” ንሕቶይ መልሲ ኣይተጸበኹን።

     “ነታ ከተማ ናብ ማእከላ እናኽትቐርብ፣ ሬድዮ ርክብ ዝሓዘ ግዙፍ ሓወልቲ ተጋዳላይ’ዩ ዝቕበለካ። ነታ ዓዲ ውላዳ’ዩ። ሓየሎም’ዮም ዝብልዎ። ካልኣይ ከኣ ሓወልቲ ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ ደኣ’ምበር ኣብ መቐለ ኣይኮነን ቆይሙ፣ ኣስመራ በስመርኡ ከማን ኣብ እግሪ’ቲ ብዙሕ ዘለዎ ማይ ጃሕጃሕ፣” ወሰኽክሉ።

     እግሪ ማይ ጃሕጃሕ ብዙሕ ታሪኽ ከምዘለዉ ዝፈልጦ ነገረ የብልየን። እንኮ መወከሲተይ፣ ደርፊ ጸሃይቲ በራኺ’ያ፣-

          ….ኣንቆልቁለ ክወርድ ካብ ማይ ጃሕጃሕ
             ጠምየ ኔረ ንገዛይ ንክምሳሕ
             ኣማዕድየ ርእየካ ተሓጕሰ
             ሰላም ክብለካ እነኹ ተመሊሰ።

     ታሪኻዊ ፍጻሜታት ኤርትራውያን ፈዳይን እተዘንቱ ጥበብ’ያ መስለኒ። ስለዚ ብውሕዱ ሓንቲ መርትዖ ኣላትኒ። ጸሃይቱ በራኺ።

     ጸሃቱ በራኺ ኣብ እግሪ ማይጃሕጃሕ ክቐውም እትደልዩ ሓወልቲ ምረጺ እንተትብሃል፣ ምናልባት ኣብ ብሽክለታ ዝተወጥሐ ሓደ ኣፍሮ መንእሰይ ምኾነ። ብሽክለታ ኣውራ መሳርሒት ፈዳይን ስለዝነበረት። ወይ’ውን ሓወልቲ ኣተወብርሃን ሰጊድ።

     ጸሃይቱ በራኺ ትኹን ህዝቢ ጽልማ ሓወልቲ ክመርጹ ዕድል ዝሃቦም የለን። መንግስታት ሞስኮን ኣስመራን እንተተረዳዲኦምሉ ጥራይ ኣኸለ። ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መንግስታት፣ ህዝቢ ኣድላዩ ኣይኮነን ኣብ ውሳኔ። ኣድላይነት ህዝቢ ኣብ ኵናት ጥራይ’ዩ። ከም ጎማ መኪና እናተላሕጸጸ ናብ እትደልዩ ብዝቐልተፈ ከብጽሕ ዝክእል መሳርሒ’ዩ ህዝቢ።

Hayelom

     “ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሰብ ደምበዛን-ካርነሽም እኮ፣ ንውጩ ሓወልቲ ክንሰርሓሉ ገንዘብ ነዋጽእ ይብሉ ኣለዉ ሰሚዐ’የ፣” ዘይሰማዕክዎ ወረ ዘርግሓለይ ገብሩ። ምናልባት ነታ ደቂ ሽረን ሓየሎምን ስለዘልዓልክሉ’ዩ ዝኸውን፣ ከም መከሓሓሲ ምሂዙዋ። ወይ’ውን “ነታ ናፖልዮን ወዲ ካርነሽም’ዩ” ንእትብል ማይ ዘይጥዓመት ሓበሬታ መዕገቲ።

     ” ኻርነሽም፣ ውጩ ተበሉ፣ ዓዲ መንጎ’ቲ ጀነራል ቢትወደድ’ባ እንተተማጎቱ፣ ዓዲ ኩኩይ ላእ ዓብደላ እድሪስ እባ እንተጨደሩ፣ ኣይፋል! ሃኪቶ ኸ? እንተሓተቱ ህዝበ ዓፋር፣ ኩሎም ኣይተጋገዩን፣” ደቆም’ዮም። ውጻእ ኣብራኾም። ሃዘጋ -ጸዓዘጋ’ውን ዝሕበንሎም መሳፍቲትን ጀነራላታን ኣይሰኣኑን። ሓወልቲ የድልዮም እንተበሎ’ውን ሓቆም።”

     ህዝቢ ንጀጋኑኡ ሓወልቲ ከነቑመሎም እንተበለ ዘሐጉሰኒ’ምበር ዘጉህየኒ ከምዘይኮነ ኣረጋገጽክሉ ንገብሩ። ዋላ’ኳ ሃገር ምልእቲ በብደቂ ዓዶም ብዝሕበኑ ዜጋታት፣ ብሓወልቲ ከይተዕለቕልቕ ዘሻቕል ስምዒት እንተፈጠረለይ።

     “ግን ከኣ’ ኮ እቲ ህዝቢ ሓወልቲ ኣቝሙልና ኣይበለን፣” ህዝብና ኣብ ሓወልቲ ልቢ እምበር ሓወልቲ ሓጺነ እምኒ እምነት ከምዘይብሉ ከረጋግጸሉ’ለ’የ።

     “እዚ ንህዝብና ጓና ዝኾነ ሓወልቲ’ውን መን ወሲኑሉ ኣብ ከርሲ መሬትና ቖይሙ ንፈልጦ የብልናን። ናይ ሓቒ ደፋር ሓወልቲ’ዩ። ምናልባት ግዜኡ ሓልዩ’ሲ ይዓኑ’ባ ይኸውን። ሜዳ ፑሽኪን ካብ ዝብሃል፣ ሜዳ ወልድኣብ ወልደማርያም ወይ ሜዳ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን እንተዝብሃል መምሓረሉ፣” ዝመስለኒ ደርጓሕክሉ፣ በቃ! ደፊረ ንህዝቢ ወኪለ።

welwel sultan

     ገብሩ ስቕታ መረጸ። ቴሌፎኑ ዝለኮተ መሰለ።

     “ዘይንደልዮ ሓወልቲ ኣብ መሬትና ኣይወቅም፣ ኢሎም ዝመጎቱ ህዝቢታት ብዙሓት’ዮም።
ህዝቢ ኤርትራ ግና ንፑሽኪን ክደልዮ ከይደልዮ ኣበይ ፈሊጥዎ። ኣሽምባይ ዶ ፑሽኪን፣ ሎሬንሶ ታእዛዝን ዘርኣይ ደረሰን’ኳ ወጻእተኛታት ዝመልስሎ ብዙሕ’ዩ። ኣይኮነን ግጥምታት ፑሽኪን፣ ግጥምታት ዶክተር ርእሶም ሃይለ፣ በየነ ሃይለማርያምን መለስ ንጉሰን ኣስተማቒሩ ከማን ዘየኮማሰዐ። መስኪን ህዝቢ!! ናይ ኩሎም’ዞም ገጠምቲ፣ ግጥምታቶም ኣስሚዕካ፣ ሃየ! በል ምረጽ እንተዝብሃል ከኣ ምናልባት፣ ንዓ ሙሴከም ቆሎ ማሸላ ወይ’ውን ኣርማድዮና ምመረጸ ይኸውን። እምበር ፑሽኪን ሲ ዘበት።” ተማጎትኩ።

     “ህዝቢ ጽልማ ካብ ፑሽኪን ንላዕሊ ዝሕበንሎም ደቂ ኣብራኹ ምህላዎም ከ መን ይዝንግዖ። ይኽደንኪ ካርነሽም!! ሓወልቲ ውጩ እናተጸበኺ፣ ኣይፋልኪ ናፖልዮን’ዩ ዝያዳ ዝብጽሓኪ ይብሃለልኪ ኣሎ። ኣየወ ካርነሽም! ፊስቶ ምሉእ ድንሽ ጠጢቓ፣ ንዕለተ ልደት ናፖልዮን ክትጽንብል እኳ ተራእየኒ። ናፓልዮን ዕደ! ፑሽኪን ቀዲሙካ ኣብ ኣስመራ ሓወልቲ ተኺሉ። ድሮ ‘ኳ ዕለተ ልደቱ ከኣ ጸንቢሉ። ካብ እዝጊ ሲ ጦረኛ’ዩ ስምካ? እንሆ በል ብገጣሚ ተሳዒርካ። ሩስያውያን ኣብ ውግእ ከይኣኽሎምሲ ኣብ ሓወልቲ ድማ ደገሙኻ።” ነዊሕ ኣስተንተንኩን ሃውተትኩን።

wchu Bit

     ናፖልዮን ተወሊዱላ ካብ እትብሃል ኮርሲካ ናብ ዓባይ ከተማ ማርሰይ ይጅልብ ኣለኹ። ኣብ ዝባን ዓባይ መርከብ ተወጢሐ ንከተማ ማርሰይ ካብ ርሑቕ ከለልያ ኣይጸገመንን።

     ሻቶ ዲፍ ካብ ከተማ ማርሰይ ናይ ኣስታት ፍርቂ ሰዓት ርሒቃ እትርከብ ንእሽቶ ደሴታ’ያ። እዛ ደሴት ብዝያዳ እትፍለጠሉ ታሪኽ ማእሰርቲ ኮንት ሞንተ ክሪስቶ ዝሰነደት ምዃና’ዩ። ምስ’ቲ “ወዲ ካርነሽም’ዩ” ዝብሃለሉ ዘሎ ናፖልዮንን ደራሲ ኮንት ሞንተ ክሪስቶ– ኣሌክሳንደር ዱማን ክላለ ከኣ ከኣ’የ ኣብዘን ናይ ፈረንሳ ዴሴታት ዘወን ክብል ዝቐነኹ። ንእግረ መንገደይ ከኣ፣ ሓወልቲ ናፖልዮን ወዲ ካርነሽም ክቐውም እንከሎ፣ ንወደሳኡ ዝኸውን ግጥምታት ንምድላው ክሕግዘኒ’ዩ። አረ ድሮ፣ ኣምላኽ ግጥሚ ጎኒፉኒ’ሲ ሓያሎ ግጥምታት ዛራ ውሓዘለይ ኣሎ፣-

ናፖልዮን ወይዚ ሓየት፣
እንኳዕ ኮንካ ወድና፣ ወዲ’ዛ መሬት፣
ሰብ ናቕፋ፣ ስድራ ዓፋ፣
ሰብ ኣፍዓበት፣ ስድራ ሚናብ፣
ሰብ ሳሕል፣ ስድራ ጠዊል፣
ሰብ ገድገድ፣ ስድራ ቢትወደድ፣
ኣቱም ኤርትራ፣ ብሓበራ፣
ተላሊኾሞ ዶ ንናፖልዮን፣
ከይመስለኩም ፈረንጂ፣ ከይመስለኩም ጣልያን፣
ኣይኮነን ካብ ዙቑር፣ ኣይኮነን ካብ ሓንሽ፣
ካርነሽማይ’ዩ ፈሓር ድንሽ፣
ጎረቤት ዓንሰባ፣ ጎረቤት ድምበዛን፣
ሃየ በሉ ስምዑ እንተለኩም ኣእዛን፣
“ናፖልዮን ወድና’ዩ…!!” ደወል ይደወል! ይደሃ’ውን ኣዛን።

    ነዚ ኸኣ ግጥሚ ኢልካዮ? እንታይ ዝበለ ህውታተ’ያ’ዩ ዶ ትብሉ ኣለኹም? ገብሩ’ውን ይህውትት ከምዘለኹ ኣይሰሓትን። ኣብ መዘክር ዘዋሪት ብርዐይ ተሰኒዶም ዘለዉ ህውተታታት ማእለያ የብሎምን። ኣብዚ ህውታትያ ዘመን፣ ዘይሃውተተ ኤርትራዊ ኸ ይርከብ ዶ ኢልኩሞ? እንታይ ግድኹም ህውታትያ ዘመን፣ ጀጋኑና ጉሒፉ ጀጋኑ ዓዲ ጓና ሓወልቶም የቑመልና ኣሎ።

     ቻው በል ገብሩ ዓርከይ! Au revoir!!

ዕባይ ኣኽርያ
ካብ ፓሪስ
ሓምለ 2016

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0