ሶማል፣ መጥቃዕቲ ቦምብ ልዕሊ 50 ሰባት ተቐቲሎም

ሶማል፣ መጥቃዕቲ ቦምብ ልዕሊ 50 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 14 November 2018

somalia boኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ተቐቲሎም።

በቲ ብ9 ሕዳር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓደ ሚእቲ ሰባት’ውን ብከቢድን ፎኵሲን ቆሲሎም ከምዘለዉ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብታ ከተማ ኣረጋጊጹ።

ሆስፒታል ከተማ ሞቛድሾ ብግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ኣዕለቕሊቑ ከምዘሎ ዝሓበሩ ሓካይም ከኣ፣ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክውስኽ ከምዝኽእል ገሊጾም።

ኣልሸባብ፣ ናይቲ ኣብ ሰለስተ መካይን ቦምብ ብምጽዋድ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ሆቴል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሓላፍነት ወሲዱሉ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ፕረዚደንት ሶማል ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጎደንር ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ዕለት’ዩ ተኻይዱ።

=================== 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0