ካብ ኣቡኡ ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ጋቦን ብጽኑዕ ሓሚሙ

ካብ ኣቡኡ ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ጋቦን ብጽኑዕ ሓሚሙ

Radio Erena: 14 November 2018

ali bongoድሕሪ ሞት ኣቡኡ ኣብ 2009 ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጎ ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

እቲ ወዲ 59 ዓመት ዓሊ ቦንጎ፣ ኣቡኡ ካብ 1967 ክሳብ 2009 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ን42 ዓመታት፣ ካብ ንኡስ ዕድሚኡ ኣትሒዙ፣ ከም ሚኒስተር ምክልኻል፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ሰሪሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ነበር ዑመር ቦንጎ ኣብ 72 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ 2009 ድሕሪ ሙማቱ፣ ፕረዚደንት ጋንቦን ኮይኑ ዝተረከባ ወዱ ድማ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብጽኑዕ ሓሚሙ ስለዝርከብ ስልጣኑ ናብ ወዱ ከሰጋግር ይኽእል ዶ? እናተባህለ ይዝርበሉ ኣሎ።

 

ይኹን’ምበር፣ ካብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ንሰለስተ ሰሙን ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሕክምና ዝርከብ ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ምምሕያሽ ምልክታት ኣርእዩ ከምዘሎ ይጠቅስ።

ጠንቂ ሕማሙ ብንጹር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ‘ወቕዒ’ ምዃኑ ምስ ኣባላት ስድራቤቱ ቅርበት ዘለዎም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣቡኡ ዑመር ቦንጎ ሓደ ካብቶም፣ ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ዓመታት ብምጽናሕ ክብረ ወሰን ዝሰበሩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዩ።

ኣብ ኣፍርቃ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽንሖም ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዑ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሞዓመር ኣልቐዛፊ ናይ ሊብያ ን42 ዓመታት፣ ዑመር ቦንጎ ናይ ጋንቦን ን42 ዓመታት፣ ቲዮዶር ኦብያንግ ኑግዌማ ባሶጎ ን39 ዓመታት፣ ሮቦርት ሙጋበ ድማ ን38 ዓመታት’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንተኸታታሊ 25 ዓመታትን ልዕሊኡን ኣብ ስልጣን ዝቕጽሉ ዘለዉ ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣-

1. ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ኑግዌማ ባሶጎ ን39 ዓመታት
2. ፕረዚደንት ካሜሮን፣ ፖል ቢያ ን36 ዓመታት
3. ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ን32 ዓመታት
4. ፕረዚደንት ሱዳን፣ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ን29 ዓመታት
5. ፕረዚደንት ቻድ፣ ኢድሪስ ደቢ ን28 ዓመታት
6. ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን27 ዓመታት’ዮም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0