ስዑዲ ዓረብ፣ ኣሲራቶም እትርከብ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ትዝቲ

Radio Erena: 29 September 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ፣ ዶብ የመን ሰጊሮም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ይኹኑ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓዶም ወይ ኢቓማ ዝወደቆም እሞ ብፖሊስ ተታሒዞም ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ናይ ምምልሳ መስርሕ ንምጅማር፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝርርብ ተካይድ ከምዘላ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ዝወጹ’ሞ ብሰንኪ እቲለበዳ ተዓጊቶም ዝጸንሑ፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘኽእል ቅጥቅዕታት ኣብ ዘዳልወለኡ ዘል እዋን፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ድማ፣ ኣብ ትሕትኡ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን እሱራትን ንምምላሶም መደብ ዘቕርብ ዘሎ።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ብዝሒ ኤርትራውያን ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ካብ 100 ክሳብ 150 ከምዝበጽሕ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኾ ምንጭታት ይግምቱ።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0