ኢትዮጵያ፣ 45 ሰበ ስልጣን ክልል ቤኒሻኒጉል ጉምዝ ካብ መዝነቶም ተሰጕጎም

Radio Erena: 29 September 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ክሰርሑ ዝጸንሑ 45 ሰበ ስልጣን፣ ብ28 መስከረም ካብ መዝነቶም ከምዝተሰጎጉ ተፈሊጡ።

ምስጓግ ናይቶም ሰበ ስልጣን ምስቲ ዝሓለፈ ሰሙን 15 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ምትሕሓዝ ዘለዎ’ዩ።

ገለ ካብቶም ካብ ስልጣኖም ተሰጕጎም ዘለዉ ሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል’ውን ኣብቲ መጥቓዕቲ ኢድ ከይህልዎም መርመራ ይካየደሎም ከምዘሎ’ዩ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጽኢ፣ ኣብ ካልእ ክልላት ምሉእ ጸጥታ ከምዘይክኣለ ተደጋጊሙ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን’ውን ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል፣ ሓድሽ ወጥሪ ሰፊኑ ዘሎ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0