Radio Erena: Thursday, 06 July 2023
ሱዳን፣ ካብ ሩስያ ነፈርቲ ኵናት ክትሽምት ከምእትደሊ፣ ናብ ሩስያ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ምክትል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ማሊክ ኣጋር ገሊጹ።
ንሱ፣ ካብ 29 ሰነ ክሳብ 04 ሓምለ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሰርጌ ላቭሮቫን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ፣ ሩስያ፣ ኵናት ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ኣብ ምፍታሕ ክህልዋ ብዛዕባ ዝኽእል ኣበርክቶ ተመያይጡ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሱዳን፣ ኣብ በረራ፣ ጽገና ነፈርቲን ካልእን ዝነጥፉ ኣባላት ሰራዊት፣ ኣብ ሩስያ ንምስልጣን መደብ ከምዘሎ RIA News ምስ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ኣተንቢሁ።
ሩስያ፣ ምስ ሱዳን ናይ ነዊሕ እዋን ወትሃደራዊ ዝምድና ከምዝጸንሓ ዘዘኻኸረ ማሊክ ኣጋር፣ ኣብ ቁጠባን ንግዲን’ውን ብዝያዳ ዝተሓጋገዛሉ መደባት ክህሉ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ሱዳን፣ ካብ ሩስያ ነፈርቲ ኵናት ንምሽማት ተቛምት ዘላ፣ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ፣ ኣንጻር እቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይትን ህንጻታትን ዓሪዱ ዘሎ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት፣ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን’ዩ
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ መንግስቲ ዝኾነ ማሊክ ኣጋር፣ ናብ ሩስያ ዝበጽሕ ዘሎ፣ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይሊ ክድግፍ ምጽንሑ ዝንገረሉ፣ ዕሱብ ሰራዊት ዋግነር፣ ምስ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ዝተባተኸሉ እዋን’ዩ።
ዋግነር፣ ዕጥቑ ኣንጻር ሰራዊት ሩስያ ድሕሪ ምልዓሉ፣ ኣብ ሞስኮ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ክዕጾ ዝኣዘዘ ፕረዚደንት ፑቱን፣ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስቲ ዕሱብ ጉጅለ ዝነበረን ስምምዓት፣ በብመንገደን ክሕዘኦ ምሕባሩ ይዝከር።
ንሩስያ፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትህብ’ያ እትብሃል ዝነበረት ሱዳን ብወገና፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ርጉእ ማእከልይ መንግስቲ ስኢና፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ኵናት ክልተ ተጻጸርቲ ወትሃደራውያን ሓይልታት ተሸሚማ ትርከብ።
=====================
COMMENTS