ሱዳን፣ ኩሎም ኤርትራውያን ካብ ካርቱም ክወጹ ኣዚዛ

RADIO ERENA – Thursday, 19 June 2025

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ኩሎም ኤርትራውያን ክወጹ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቲ ትእዛዝ፣ ንኢትዮጵያውያን ውን ዘጠቓለለ ምዃኑ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ካብ ከተማ ካርቱም ወጺኦም፣ ናብ ሰለስተ መዓስከራት ክግዕዙዩ መርምርሒ ተዋሂብዎም።

እቲ ብሰራዊት ዝምራሕ መንግስቲ፣ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ኩሎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብታ ከተማ ክወጹን ናብ መዓስከራት ክግዕዙን ትእዛዝ ዘመሓላለፈ ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ምዃኑ ዩ ዝጥቐስ።

ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ተቐርቒሮም ዝጸንሑ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ተዛማዲ ዕረፍቲ ክረኽቡ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን፣ ካብታ ከተማ ክወጹ ዝወሃቦም ዘሎ ትእዛዝ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢርሎም ኣሎ።

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ስደተኛታት ኩሎም ካብ ካርቱም ክወጹን ናብ ሰለስተ መዓስከራት ክግዕዙን ዝተዋህበ ትእዛዝ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ከምዝገለጸሎም እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ስእሊ፣ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0