ሱዳን፣ ብፈጣን ሓይልታት ተታሒዞም ዝጸንሑ 125 ወትሃደራት መንግስቲ ተፋንዮም

Radio Erena: Friday, 30 June 2023

ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ፈጣን ሓይልታት፣ ሒዞሞም ንዝጸንሑ 125 ወትሃደራት መንግስቲ ከምዘፋነውዎም፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ማሕበር፣ ብ29 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም ወትሃደራት ንኽፍትሑ ምስ ፈጣን ሓይልታት ክዘራረቡ ከምዝጸንሑ ኣነጺሩ።

እቶም ሓይልታት ብመሰረት ነቲ ማሕበር ዝኣተውዎ መብጽዓ፣ ኣብ ዕለተ ዒድ ኣልኣድሓ፣ ከምዝፈነውዎም እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

ክልቲኦም ተጻረቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ካብ 15 ሚያዝያ ኣትሒዞም ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ኵናት፣ ዛጊት ብዛዕባ ዝወረደ ክሳራታት ይኹን ብዝሒ ምሩዃት ክልቲኦም ወገናት መግለጺ ኣይሃብሉን።

እቶም ሓይልታት፣ በብወገኖም ይዕወቱ ከምዘለዉ ዝገልጹ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ወትሃደራዊ ሚዛን ይኹን ጸብለልታ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ይኹን’ምበር ብሰንኪ’ቲ ኵናት ልዕሊ 2800 ሰለማውያንስ አባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 2 ሚልዮን ድማ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ኣስታት 600 ሽሕ ካብኣቶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃደሙ’ዮም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0