ሱዳንን ግብጽን ከም መቐጸልታ ናይቲ ዝጀመርኦ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ሓባራዊ ልምምድ ኣካይደን

Radio Erena: Friday, 02 April 2021

ሱዳንን ግብጽን፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዝጀመረኦ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ሓባራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ግብጺ ሓቢሩ።

እቲ ብ31 መጋቢት ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ “ንስርታት ናይል 2′  ዝተሰምየ ኮይኑ፣ ናይ ኣጋርን ሓይሊ ኣየርን ዘጠቓላላ’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ሱዳን፣ መዓስከር መሮ ዝተኻየደ ልምምድ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፣ ጀነራል መሓመድ ዖትማን ዝርከቦም ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ክልቲኤን ሃገራት ተረኺቦም።

ሱዳንን ግብጺን፣ “ንስርታት ናይል 1” ዝሰመይኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ 15 ሕዳር 2020 ከምዘካየዳ ኣይርሳዕን።

እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብጉዳይ ናይል ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ መርገጺ ሒዘን’የን ዝርከባ።

ሱዳን ድማ፣ ኣብ ርእሲኡ፣ ምስ ኢትዮጵያ መዕለቢ ዘይረኸበ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣለዋ።

================== 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0